ኣዲስ ኣበባ፣ ግፋ ኤርትራውያን ተኻይዱ

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ግፋ ኤርትራውያን ከምዝተኻየደ ምንጭታት ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

እቲ ግፋ መብዛሕቱ፣ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪን ናይ ምሸትን ከምዝተኻየደ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ብዝያዳ ኣብ ኣብያተ መግብን መስተን፣ ባራትን ክለባትን ዘተኮረ ምንባሩ ኣነጺሮም።

ሓያሎ ካብቶም ዝተገፈፉ ኤርትራውያን፣ ኣብ መደባራት ፖሊስ ከይበጽሑ ገንዘብ ግቦ ብምኽፋል ከምዝተፋነዉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ጠቒሱ።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም፣ በብእዋኑ ግፋ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን የካይዱ ምህላዎም ይፍለጥ።

ሓያሎ ካብቶም ተገፊፎም ዝተኣስሩ፣ ህቡባት ስነጥበባውያንን ወነንቲ ትካላትን ከምዝርከብዎም ኣብ እዋኑ ተቓሊሑ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣስታት 300 ንዝኾኑ ኤርትራውያን’ውን፣ ክልተ እዋናት ብመንገዲ ዓሰብ ናብ ኤርትራ ከዝመለሶም ይዝከር።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን በብእዋኑ ዘካይዶ ዘሎ ግፋ ዕላሙኡ ንጹር ኣይኮነን።

ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ንምህዳን ዝብል መግለጺ፣ ዝወሃበሉ እኳ እንተኾነ፣ ሓያሎ ካብቶም ተገፊፎም ዝተኣሰሩ ኤርትራውያን፣ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡን ብሰንኪ ኵናት ትግራይ፣ ኣብቲ ክልል ካብ ዝነበራ መዓስከራት ዝተመዛበሉን ይርከብዎም።