ኤርትራዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ፣ ንሰሌዳ ኮኾብ ኣመዝገብቲ ጐል ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ይመርሕ

ኣጥቃዓይ ኢትዮጵያዊት ክለብ ሃዋሳ ከነማ፡ ኤርትራዊ ዓሊ ሱሌማን፡ ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ብሸቶታቱ ይደምቕ።

እዚ ወዲ 24 ዓመት ተጻዋታይ፡ ዝሓለፈ ቀዳም 30 መጋቢት ጋንትኡ ሃዋሳ ከነማ፡ ቅድሚን ድሕሪን ዕረፍቲ ብዝተመዝገባኣ ክልተ ጐላት፡ ብክለብ መድን ድርጅት ኢትዮጵያ 2 ብ 1 ኣብ ትምርሓሉ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ መበል 58 ብዘቑጸራ ጐል፡ ካብ ስዕረት ኣድሒንዋ።

ኣብ‘ዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ጸወታታት ጥራይ፡ ኣብ ልዕሊ ክለብ ድሬዳዋ 3፡ ኣንጻር ክለብ ሻሸመኔ ከነማ 2፡ ዝሓለፈ ቀዳም ድማ ሓንቲ፡ ብሓፈሻ 6 ግዜ ኩዕሶን ሰኪዔትን ብምውህሃድ፡ እሾኽ ጭቓ ተኸላኸልቲ ክለባት ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝወርሐ ዓሊ ሱሌማን፡ ንሰሌዳ ኮኾብ ኣመዝገብቲ ጐል ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ብ11 ሸቶታት ይመርሖ ኣሎ።

ዓሊ ሱሌማን፣ ኣብ 2021 ካብ ኤርትራዊት ክለብ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ክለብ ባህርዳር፡ ብድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ፡ ናብ‘ዛ ሕጂ ዘለዋ ጋንታ ሃዋሳ ከነማ ተሰጋጊሩ።

ንሱ ኣብዛ ክለቡ፣ ዋላ‘ኳ ብድሕሪኡ ተሰሪዖም ንዘለዉ ኡጋንዳዊ ኣጥቓዓይ ክለብ ድሬዳዋ ቻርለስ ሙስሌገ ብክልተ፡ ንኢትዮጵያዊ ኣጥቓዓይ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ድማ፡ ብሓደ ጸብለልታ ጐል ይመርሖም ኣሎ።

እንተኾነ፣ ጋንትኡ ግን፡ ካብ 16 ክለባት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ፡ መበል ታሽዓይ ደረጃ ሒዛ ‘ያ ትርከብ።

ነቲ ሊግ፡ መቻል፡ ቅዱስ ጊዮርጊስን ንግድ ባንክን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምዃን ይቕልሶኦ ኣለዋ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት