ኤርትራ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ባጽዕ ኣትዩ

እቲ ልኡኽ ሩስያ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ኣብ ዝበጽሓሉ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርት ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓይሊ ባሕሪን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ ከም ዝተቐበልዎ ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ዓባይ መርከብ ውግእ ሩስያ ብ28 መጋቢት ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ከምዝኣተወት ይፍለጥ።

መራኽብ ሩስያ

ምንጪ ስእሊ,X

እታ ኣካል ናይቲ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝንቀሳቐስ 'ፓሲፊክ ፍሊት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጭፍራ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ዝዀነት 'ማርሻል ሻፖሺንኮቭ' ዝተባህለት መርከብ ንዝኽሪ መበል 30 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ሩስያን ኤርትራን ንምጽንባል ንባጽዕ ከምዝኣተወት ተሓቢሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ከም ኣካል ናይቲ ዑደት ድማ ሰበስልጣን ሓይሊ ባሕሪ ናይታ መርከብ ፓስፊክ ሩስያ ማርሻል ሻፖሽኒኮቭ፣ ናብ መካነ መቓብር ሰማእታት፡ ቤተ መዘክር ባጽዕ ከምዝበጽሑ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን።

እታ መርከብ ውግእ ሩስያ ክሳብ 5 ሚያዝያ ኣብ ወደብ ባጽዕ ክትጸንሕ ምዃና ዝተፈልጠ ኰይኑ፤ ሩስያ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ንፈለማ እዋን ምስ ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ክትሳተፍ ወተሃደራዊት መርከብ ከምዝለኣኸት ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኤርትራ ኢጎር ሞዝጎ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣፍሊጡ ነይሩ።

በዚ መሰረት፡ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ሩስያን ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ የካይዱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

እቶም ባጽዕ ዝኣተዉ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ፡ ኣቐዲሞም ብ14 መጋቢት ምስ ኣባላት ሓይልታት ባሕሪ ቻይናውያንን ኢራናውያን ኣብ ወሽመጥ ዖማን ናይ ክልተ መዓልቲ ሓባራዊ ልምምድ ኣካይዶም ምንባሮም ይዝከር።

ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ባጽዕ ኣብ ዝኣተወሉ

ምንጪ ስእሊ,HAWELTI

ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣብ 1993 ኤርትራ ከም ሓንቲ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ብወግዒ ኣባል ውድብ ሕቡራት ድሕሪ ምዃና፡ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናአ ከም ዝጀመራ ይፍለጥ።

እታ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ተነጽሎን ጸቕጢን ከጋጥማ ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ምስ ሩስያ ዘለዋ ዝምድና እናሐየለ ይኸይድ ምህላዉ ብዝተፈላለየ መልክዓይ ይርአ ከምዘሎ ይፍለጥ።