ጭፍራ መራኽብ ኵናት ሩስያ፣ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝኣተዋሉ ምኽንያት ኣካል ወፍሪ ነዊሕ ጉዕዛ ባሕሪ ምዃኑ ተገሊጹ

ብ‘ፓሲፊክ‘ ዝፍለጥ ጭፍራ መራኽብ ኵናት ሩስያ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ይዝምቢ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሓንቲ ካብተን ጭፍራ ዝኾነት፣ ዝተፈላለየ ኣጽዋር ዝዓጠቐት፣ ‘ማርሻል ሻቦሺኒኮቭ‘ ዝተሰምየት መርከብ፣ ካብ 28 መጋቢት ኣትሒዛ፣ መልህቓ ኣብ ወደብ ባጽዕ ኣውሪዳ ከምዘላ መንግስታት ኤርትራን ሩስያን ኣረጋጊጾም።

ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ ናይ ንግዲ መራኽብ ሃገራት ምዕራብ ዘጥቅዕ ዘሎ ሑቲ፣ ንመራኽብ ሩስያን ቻይናን ግና ዒላም ከምዘይገብረን‘ዩ ዝግለጽ።

ሩስያ፣ ጭፍራ መራኽብ ናብዚ ብጸጥታ ተኣፋፊ ኮይኑ ናብ ዘሎ ቀይሕ ባሕሪ ምልኣኻ፣ እሞ ድማ ሓንቲ ካብተን መራኽብ ናብ ውደብ ባጽዕ ናይ ኤርትራ ምጽግዓ፣ ብማዕከናት ዜና ሃገራት ምዕራብ ዝተፈላለየ ትንታነታት ይወሃበሉ ኣሎ።

እታ ቫርያግ ብዝተሰምየት ሚሳይላት ብዝጸዓነት መርከብ ተዓጂባ ናብ ኤርትራ ኣትያ ዘላ ፍሪጌት ዝዓይነታ ማርሻል ሻቦሺኒኮቭ፣ ካብቲ ሩስያ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ንምጉልሓ ዝሓለፈ ካልእ ዕላማ ከምዘይብላ‘ዮም ተንተንቲ ዝጠቕሱ።

ሩስያ፣ ኣብ ፖርት ሱዳን፣ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምውናን ጻዕርታት ተካይድ እኳ እንተነበረት፣ ኣብታ ሃገር ምስ ምውዳቕ ስርዓት በሺር ድሕሪ ዝተፈጥረ ዘይርጉእ ኩነታትን ድሕIሩ ዝሰዓበ ኵናት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታትን፣ ነቲ ውጥን ኣሰናኺልዎ።

እታ ናይ ነዊሕ እዋን መተሃላልኽቲ ሃገራት ምዕራብ ዝኾነት ሩስያ፣ እንኮ ጠመተኣ ኣብዚ ክሊ ማይ ናብ ኤርትራ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወጋነት ዝጠቕሱ እኳ እንተኾኑ፣ ብክልቲኦም መንግስታት ዝተኣንፈተ ነገር የለን።

ሩስያ፣ ሶቬት ሕብረት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፣ ካብ 1970ታት ክሳብ መወዳእታ ዝሑል ኵናትን ምብትታናን ዘስዓበ ፈለማ 1990ን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓያል ጽልዋ ከምዝነበራ ኣይርሳዕን።