ኣመሪካ፡ ብዛዕባ'ቲ ንኤርትራ ዝሓወሰ ሓድሽ እገዳ መገሻ እንታይ ንፈልጥ?

ዶናልድ ትራምፕ ንሓደጋታት ሃገራዊ ድሕነት ብምጥቃስ፡ ካብ 12 ሃገራት ናብ ኣመሪካ ንዝገሹ እገዳ ከም ዘንበረ ዋይት ሃውስ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ሓቀኛ ምምሕያሻት እንተ ተራእዩ፣ ከምኡ'ውን ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ሓደስቲ ጸገማት ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ተወሰኽቲ ሃገራት ክውሰኻን እቲ ዝርዝር ክኽለስን ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ትራምፕ ናብ ዝተወሰና ሃገራት ዘነጻጸረ እገዳ መገሻ ከንብር፡ እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ።

ንሱ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ማለት፡ ኣብ 2017 እውን ተመሳሳሊ ትእዛዝ ፈሪሙ ነይሩ።

እተን እገዳ መገሻ ዝተነብረለን መነ-መን እየን?

ትራምፕ ንዜጋታት 12 ሃገራት ናብ ኣመሪካ ከይጓዓዙ ዝእግድ ሓድሽ ኣዋጅ ዝፈረመ ኰይኑ፡ እተን ሃገራት፤ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ የመን፡ ሊብያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያንማር፡ ጫድ፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ሀይቲን ኢራንን እየን።

ዜጋታተን ብኸፊል ናይ መገሻ ገደብ ዘጋጥመን ተወሰኽቲ ሸውዓተ ሃገራት ድማ ብሩንዲ፡ ኩባ፡ ላኦስ፡ ሴራሊዮን፡ ቶጎ፡ ቱርከምኒስታንን ቬንዙዌላን እየን።

እቲ እገዳ ካብ ሰኑይ ዝጅምር እዩ። ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ተመሳሳሊ ስጕምቲ ሃንደት ምስ ተወስደ፡ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ ህውከት ኣኸቲሉ ምንባሩ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ናይ ሕጂ ኣቐዲሙ ውሑድ መዓልታት ዕድል ሂቡ ኣሎ።

ንምንታይ እገዳ መገሻ ተኣዊጁ?

ዋይት ሃውስ፡ እዚ ስጕምቲ'ዚ፡ "ንኣመሪካውያን ሓደገኛታት ካብ ዝዀኑ ወጻእተኛታት ክከላኸለሎም እዩ፡" ይብል።

ትራምፕ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝለጠፎ ቪድዮ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኮሎራዶ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግብረሽበራ፡ "ነቲ ብግቡእ ዘይተመርመሩ" ወጻእተኛታት ዜጋታት ዘስዕቡዎ ከቢድ ሓደጋታት ከም ዘጕልሕ ገሊጹ።

ብሰንበት ኣብ ኮሎራዶ፡ ሓደ ሰብኣይ፡ ጅሆ ንዝተታሕዙ እስራኤላውያን ንምድጋፍ ኣብ ዝተኣከቡ ሰባት መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ 12 ሰባት ቈሲሎም።

እቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ሰብ፡ ግብጻዊ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

እገዳ መገሻ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ,Reuters

ነቲ እገዳ እንታይ ግብረ መልሲ ተዋሂቡዎ?

ሕጋዊ ብድሆታት ከጋጥሞ ትጽቢት ዝግበረሉ ዳሕረዋይ ትእዛዝ ትራምፕ፡ ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ረኺቡ።

ሶማልያ ዝዀነ ይዅን ጉዳይ ጸጥታ ንምፍታሕ ምስ ኣመሪካ ክትሰርሕ ቃል ኣትያ።

ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ኣመሪካ ዳሂር ሓሰን ኣብዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ምስ ኣመሪካ ንዝጸንሓ ርክብ ኣኽቢራ ከም እትርእዮ ገሊጹ።

ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቬንዙዌላ ዲዮስዳዶ ካቤሎ፡ "ኣብ ኣመሪካ ምህላው ንቬንዙዌላውያን ጥራይ ዘይኰነስ ንዝዀነ ሰብ ዓቢይ ሓደጋ'ዩ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣባላት ሰልፊ ደሞክራትስ ነቲ ስጕምቲ ንምዅናን ተቐላጢፎም እዮም።

ፕራሚላ ጃያፓል ዝተባህለት ኣባል ኮንግረስ ደሞክራት - ካብ ዋሽንግተን - ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ "እዚ ካብቲ ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረኡ ንኣስላም ዘካየዶ እገዳ፡ ብዝያዳ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ክነጽለና ጥራይ'ዩ፡" ኢላ።

ካልእ ደሞክራት ኣባል ኮንግረስ ዶን ቤየር፡ ትራምፕ ንኣተሓሳስባ ናይቶም ንኣመሪካ ዝመስረቱ፡ "ጠሊሙ፡" ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ትራምፕ ኣብ 2017 ንመጀመርታ ግዜኡ እገዳ መገሻ ክግበር ኣዚዙ። ኢራን፡ ሊብያን ሶማልያን ድማ ገለ ካብተን ዒላማ ናይቲ ትእዛዝ ምንባረን ኣይርሳዕን።

ነቲ ዝተወስደ ስጕምቲ ነቐፌታኦም ዘስምዑ፡ "እገዳ ኣስላም፡" ክብሉ ገሊጾሞ፣ ምኽንያቱ፡ ካብተን ዝተኣገዳ ሸውዓተ ሃገራት ዝበዝሓ እስላማውያን ስለ ዝነበራ።

ዋይት ሃውስ ነቲ ፖሊሲ ብምምሕያሽ፡ ክልተ እስላማውያን ዘይኰና ሃገራት ሰሜን ኮርያን ቬንዙዌላን ወሲኹ።

ኣብ 2018 ድማ ብላዕለዋይ ቤትፍርዲ ተቐባልነት ረኺቡ።

ንትራምፕ ተኪኡ ዝመጽአ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ነቲ እገዳ "ደገል ኣብ ሃገራዊ ሕልናና፡" ብምባል ኣብ 2021 ሰሪዙዎ።