ስለምንታይ መራኽብ ውግእ ሩስያ ናብ ኤርትራ ኣትየን?

እታ ኣካል ናይቲ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝንቀሳቐስ 'ፓሲፊክ ፍሊት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጭፍራ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ዝዀነት 'ማርሻል ሻፖሺንኮቭ' ዝተባህለት መርከብ ንዝኽሪ መበል 30 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ሩስያን ኤርትራን ንምጽንባል ንባጽዕ ከምዝኣተወት እቲ ሚኒስተር ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እታ ወተሃደራዊት መርከብ ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብቲ ወደብ ከምትጸንሕ'ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።

እታ መርከብ ኣብ ባጽዕ ምስኣተወት ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይሊ ባሕሪ ዝርከብዎም ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ተቐቢሎማ።

እተን ሓያሎ መራኽብ ውግእ ሩስያ ንመጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ ሓሊፈን እየን ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኣቲየን።

ክሩዝ ሚሳይል ዝዓጠቐት 'ናኪሞዝ ቫርያግ' ዝተባህለት ምስ ሻፖሽኒኮቭ ከምዝተጓዕዘት'ውን እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ዝወጸ ሓበሬታ ይጠቅስ።

"ቅድሚ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ምእታዎም፡ ኣባላት እተን መራኽብ ብዓወት ንወሽመጥ ዓደን ሓሊፎም" ዝበለ እቲ ሓበሬታ ኣብቲ ወሽመጥ "ንዝተፈላለየ ተኽእሎታት ኣብ ግምት ዘእተወ ተኸታታሊ ናይ መርከብ ልምምዳት" ኣካይዶም ኢሉ።

መርከብ ሩስያ ኣብ ባጽዕ

ምንጪ ስእሊ,HAWELTI

መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ

መራኽብ ውግእ ሩስያ ንመጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ ዝኣትዋ ዘለዋ፡ ጕጅለ ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጸመሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ሑቲ ኣብ ሕዳር፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒት ግብረመልሲ ንምሃብ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ መጥቃዕቲ ከምዝጀመሩ ይፍለጥ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ዓለም ሓደ ካብ ጽዑቓት መስመራት መራኽብ ዝዀነ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ ንግዳዊ መራኽብ ጽዕነት ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ መጥቃዕትታት ኣካይዱ’ሎ።

ሑቲ ግን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ሩስያን ቻይናን መጥቃዕቲ ከምዘይገብር ብተተደጋጋሚ ሓቢሩ እዩ።

መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ

ወተሃደራዊ ልምምድ

ሩስያ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ንፈለማ እዋን ምስ ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ክትሳተፍ ወተሃደራዊት መርከብ ከምዝለኣኸት ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኤርትራ ኢጎር ሞዝጎ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ።

ሞዝጎ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፍሪጌት ‘ማርሻል ሻፖሽኒኮቭ’ ክሳብ 5 ሚያዝያ ኣብ ወደብ ባጽዕ - ኣብ ኤርትራ ክትጸንሕ መደብ ተታሒዙላ ከምዘሎ ገሊጹ።

ባሕረኛታት ሩስያ ምስ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ዝካየድ ተኸታታሊ ሓባራዊ መደባት ክሳተፉ ምዃኖም’ውን ካብ ኣምባሳደር ሩስያ ዝወጸ መግለጺ የመልክት።

ብ14 መጋቢት ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ምስ ቻይናውያንን ኢራናውያን መዛኑኦም ኣብ ወሽመጥ ዖማን ሓባራዊ ልምምድ ኣካይዶም ነይሮም። 'ማርሻል ሻፖሽኒኮቭ' እውን ኣብቲ ልምምድ ተሳቲፋ ነይራ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ምስ ሓይልታት ባሕሪ ኢራንን ቻይናን ኣብ ዝተገብረ ናይ ክልተ መዓልታት ልምምድ "ባሕረኛታት ሩስያ ሓባራዊ ምልውዋጥን ናይ ርክብ ልምምድን፡ምትኳስ ዓበይቲ መዳፍዕ፡ ከምኡ'ውን ንኣሽቱ ኣብ ልዕሊ መሬትን ኣየርን ዒላማታት ብምግባር ብቐትርን ብለይትን ተለማሚዶም" ይብል።

ማርሻል ሻፖሺንኮቭ

ምንጪ ስእሊ,RUSSIAN MINISTRY OF DEFENCE

መግለጺ ስእሊ,

ሻፖሺንኮቭ ናብ ወሽመጥ ዓደን ቅድሚ ምእታዋ ኣብ ባሕሪ ዓረብ ልምምድ ኣካይዳ ነይራ

ዝምድና ሩስያን ኤርትራን

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ፕረዚደንት ፑቲንን ዝሓለፈ ግንቦት ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን፡ ኢሳይያስ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንምድንፋዕ ዝገበሮ ጻዕሪ ንፑቲን ኢዱ ምንባሩ ይዝከር።

ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣብ 1993 ኤርትራ ከም ሓንቲ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ብወግዒ ኣባል ውድብ ሕቡራት ድሕሪ ምዃና፡ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናአ ከም ዝጀመራ ይፍለጥ።

እታ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ተነጽሎን ጸቕጢን ከጋጥማ ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ምስ ሩስያ ዘለዋ ዝምድና እናሐየለ ይኸይድ ምህላዉ ይግለጽ።

ከም መርኣያ ናይዚ፡ ምስ ኲናት ዩክረይን ብዝተሓሓዝ፡ ንሩስያ ዝዅንን ውሳነታት ሕቡራት ሃገራት ብምቅዋም ጸግዒ ሩስያ ካብ ዝሓዛ ሰለስተ ሃገራት ዓለምን እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገርን'ያ።

ሩስያ ብወገና፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝውሰን እገዳታትን ጸብጻባት ምግሃስ መሰላትን ክትቃወሞ ጸኒሓ’ያ።