ናብ ምሕጫጭን ምሳሌታትን ዝሰገረ ዳርባ ቃላት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን
ኣብ መንጐ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናብ ወተሃደራዊ ግጭት ከይዓርግ ኣብቲ ዞባ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ። ጠንቂ ምትፍናን ክልቲአን ሃገራት ንምግላጽ ሓያሎ ረቛሒታት ክጥቀስ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ብቐንዱ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምርካብን ምውናንን 'ልኡላዊ' መሰል ከምዘለዋ...
Latest releases
ጀርመን፡ ሞይቱ ዝተረኽበ ወዲ 14 ዓመት 'ኤርትራዊ'
ኣብ ጀርመን ሓደ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝተገልጸ መንእሰይ ሞይቱ ከም ዝተረኽበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። ሬሳ ናይቲ ወዲ 14 ዓመት ኣብ ከባቢ ከተማ ዶርማኸን ብሓለፍቲ መንገዲ ከም ዝተረኽበ ዳብሊው-ዲ-ኣር ዝተባህለ ፍሉጥ ማዕከን ዜና የመልክት። "ፖሊስ ከም ዝሓበሮ እቲ ወዲ 14 ዓመት ካብ ኤርትራ ዝመጸ እዩ:" ይብል እቲ ጸብጻብ። ስድራቤቱ ብዛዕባ ሞቱ ፈሊጦም ከምዘለዉ'ውን ሓያለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይገልጻ ኣለዋ። ኣኽበርቲ ሕጊ ከምዝብልዎ፡ እቲ 'ዮሴፍ' ዝተባህለ ኮተቴ፡...
የመን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘቕረበቶ ክሲ እንታይ እዩ?
ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብምባል፡ ሃገራዊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት የመን ብትሪ ከም ዝዀነነን ክሲ ከም ዘቕረበን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን። ብመሰረት እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ኮምሽን፡ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ 50 ዝዀኑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝኸፈትዎ ተዅሲ ሓደ ክቕተል እንከሎ፡ ሓያለ ቈሲሎም ኣለዉ። ኤርትራ ማያዊ ግዝኣታ ብዘይፍቓድ ሰጊሮም ንዝኣትዉ "ገፈፍቲ ዓሳ" ይዅን ካልእ፣ የመናውያን ይዅን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ከም እትኣስር ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ዝጥቀስ ዘሎ ጉዳይ ግን ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ የሎን። ...
ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ 'ሚግ-23 እምበር ሚግ-21 ኣይነበረቶን'
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጽምብል ምስረታ መበል 90 ዓመት ሓይሊ ኣየር ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብስም ከይጠቐሰ፡ ኣብ "ሚግ-21 ደው ኢለን ዘለዋ ሃገራት..." ክብል ተሰሚዑ። እዚ ድማ ብቐጥታ ነታ ምስ ሃገሩ ኣብ ከቢድ ወጥሪ እትርከብ ኤርትራ ዘነጻጸረ እዩ ብምባል ኤርትራውያን ክቝጥዑን ዝተፈላለየ ግብረመልሲ ክህብሉን ይስምዑ ኣለዉ። ቢቢሲ ኣብ ዙርያ እዚ ጉዳይ ዳህሳስ ብምግባርን ንሓደ ንኣስታት 20 ዓመታት ካፕተን ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኰይኑ ዘገልገለን ኤርትራዊ ኣዘራሪቡ'ሎ። ...
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ። ሓምሻይ ወለዶ ማለት፡ ዘመናዊ ናይ ውግእ ዓቕምን ምዕቡላት ኣጽዋራትን ዘጠቓልል እዩ። እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ዘረባኡ፡ ኵነታት ዓቕሚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብምግላጽ፡ ነታ ሃገር ንዝፈታተኑ ንዝበሎም ሓይልታት ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ኢትዮጵያ ልዑላውነታን...


























