እቶም 7 ኤርትራውያን ኣብ ኢስዋቲኒ ዕቝባ ከም ዝሓተቱ ተፈሊጡ
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ፡ ካብ ሃገራዊት ጋንታኦም ኣብ ኢስዋቲኒ ተሪፎም ዝሃደሙ 7 ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር ከም ዘለዉን ዕቝባ ከም ዝሓተቱን ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ንሰበስልጣን እታ ሃገር ጠቒሱ ሓቢሩ። ካብ ፖሊስ ንዝተረኽበ ሓበሬታ ምርኵስ ዝገበረ ጸብጻብ ኤ.ኤፍ.ፒ፡ ድሕሪ'ቲ ብ31...
Latest releases
ኢትዮጵያ፡ ካብ ቱርክን እስራኤልን ብሓቂ ምስ መን እያ ዘላ?
ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ዝፈጥሮ ዘሎ ወጥሪ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰንኪ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ወጥሪ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዚ ተራ ቱርኪን እስራኤልን እንታይ እዩ? ናይ ቀረባ መሓዛ ኢትዮጵያ ዝዀነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ባሕሪ ዘቕረበቶ ሕቶ "ትድግፍ" ምህላዋ'ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተቐርቀሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እንታይ ይብሉ?
ብቐዳም 28 ለካቲት 2026 ዝጀመረ መጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ስዒቡ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ምስ ተቐተለ፡ እቲ ረጽሚ ናብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ተዘርጊሑ ኣሎ። ኢራን፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ሚሳይላትን ድሮናትን ብምውንጫፍ ንእስራኤል፡ ባሕሬን፡ ኩዌት፡ ቐጠር፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ዮርዳኖስ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ቆጵሮስ፡ ኣዘርባዣንን ብመጻብቦ ሕርሙዝ ዝሓልፋ መራኽብን ዒላማ ብምግባር ነቲ መጥቃዕቲ ምላሽ ሂባ። ...
ኤርትራ፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም
ሰብመዚ ኤርትራ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝጸንሑ ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ከምዝፈትሑ ምንጭታት ሓቢሮም። እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ዝተፈትሑ ልዕሊ 40 ዜጋታት ኣብቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቤትማእሰርቲ ማይ-ስርዋ ተታሒዞም ዝጸንሑ እዮም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣባላት ናይተን ዝተኣገዳ ኣብያተ-ክርስትያን ምፍትሖም ይዝከር። ...
ናብ ምሕጫጭን ምሳሌታትን ዝሰገረ ዳርባ ቃላት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን
ኣብ መንጐ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናብ ወተሃደራዊ ግጭት ከይዓርግ ኣብቲ ዞባ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ። ጠንቂ ምትፍናን ክልቲአን ሃገራት ንምግላጽ ሓያሎ ረቛሒታት ክጥቀስ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ብቐንዱ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምርካብን ምውናንን 'ልኡላዊ' መሰል ከምዘለዋ ምግላጻ ዘጓሃሃሮ'ዩ ዝመስል። ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብቐጻሊ ተሪር ዳርባ ቃላት ክለዋወጡ ጸኒሖም'ዮም። ...























