ቀረባ ቤተሰብ ናይ ሓደ ካብቶም ዝተሰጐጉ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ካብቲ ብ15 ሚያዝያ ዝተባርዐ ግጭት ሱዳን ሃዲሞም ህይወቶም ንምድሓን ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ እዮም።
ገሊኦም ካብ ኤርትራ ካብ ዝወጽኡ ካብ 6 ክሳዕ 7 ዓመት ዝገበሩ ኰይኖም፡ ካብ ኤርትራ ንምውጻእ ንኣሰጋገርቲ ገንዘብ ከፊሎም ናብ ሱዳን ኣትዮም ኣብኡ ክነብሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ብዝተላዕለ ኲናት ዳግማይ ክሃድሙ ተገዲዶም።
ብዙሕ ዝወረዶም ኣደራዕ ተጻዊሮም ክነብሩ እኳ እንተ ጸንሑ፡ ናብታ ካብኣ ክሃድሙ ክብሉ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈሉላ ሃገር ክምለሱ ተገዲዶም ኣለዉ።
ኣዝማድ ናይቶም እሱራት ንሓለፍቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ብምልማንን መቕርቦም ንምፍታሕ ክፍሊት እኳ እንተ ኣቕረቡን፡ ኵሉ ጻዕርታቶም ክሰምር ከም ዘይከኣለ ይገልጹ።
ሓያሎ ስደራቤታት፡ እቶም ዝተሰጐጉ ኣበይ ከም ዘለዉን እንታይ ከም ዘጓነፎምን ስለ ዘይፈልጡ፡ ኣብ ሻቕሎት ወዲቘም ከም ዘለዉ እዮም ዝሕብሩ።
ኢትዮ-ፎረም ዝተባህለ ብግሊ ዝውነን ማዕከን ዜና ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝፈነዎ ጸብጻብ፡ ሰበስልጣን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ን224 ኤርትራውያን ዜጋታት 'ደገፍቲ' ናይቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ እዮም ብምባል ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተውዎም ጸብጺቡ ነይሩ።
እዚ ማእሰርቲ'ዚ ዝተኻየደ፡ ኣብ መንጐ ክልተአን ሃገራት ወጥሪ እናኸረረ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣስታት 600 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከም ዝመለሰት ከሲሱ።
ኣብ ታሕሳስ 2024፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ንሕቶታት ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብዛዕባ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ምስጓጒ ኤርትራውያን "ኣፍልጦ" ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ክምለሱ ዘይግቦም ስደተኛታት ዝርከብዎም ከይኮኑ ዘለዎ ስግኣት ኣነጺሩ ነይሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ4 ታሕሳስ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ብመንገዲ ቡሬ ናብ ሃገሮም ከም ዝጠረዞም ይግለጽ። እቶም ብቡሬ ዝተሰጐጕ ንዝተፈላለየ ኣዋርሕ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ'ዮም።
ክፍሊ ኢሚግረሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ብ13 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን "ኢትዮጵያ፡ ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ሰጒጓ፡" ዝብል ወረ ቅኑዕ ዘይምዃኑ ብምሕባር፡ ብሓይሊ ዝመለሶም ኤርትራውያን ከም ዘየለዉ ገሊጹ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ,migrationpolicy
እቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዕቝባ ንዝደልዩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓደገኛ ኵነታት ይፈጥር ከም ዘሎ እቲ ተጣባቒ መሰላት ኣጠንቂቑ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈጸመ ምስጓግ፡ ብዛዕባ ድሕነትን መሰላትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር፡ ከምኡ'ውን መጻኢ ናይቶም ገና ኣብ ሰንፈላል ዝርከቡ ኣሽሓት ስደተኛታት ከቢድ ስክፍታታት ኣለዓዒሉ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ 'ማይግረይሽን ፖሊሲ' ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓመተ 2024 ልዕሊ 683,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓተትቲ ዕቝባ ከም ዝተመዝገቡ ንላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ብምውካስ ገሊጹ።
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኰይኖም፡ ኣብ 2024 ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 180,000፣ ኣብ ሱዳን ድማ 150,100 ዝበጽሑ ስደተኛታት ከም ዝነበሩ የረድእ።
እንተዀነ፡ ነዘን ሃገራት ከም መሰጋገሪ ዝጥቀሙለን ኰይኖም፡ ዕላማኦም ብሓደገኛ መንገዲ ሓዊሱ ናብ ሃገራት ምዕራብ ንምብጻሕ ምዃኑ ይገልጽ። ንኣብነት፡ ኣብታ ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ንኤርትራውያን ብምዕቋብ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እትስራዕ ጀርመን፡ 71,300 ኤርትራውያን ኣጽሊላ ትርከብ።
ውሕስነት ዝደልዩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብተን ዝዳወቡወን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ውሽጣዊ ግጭታት ስለ ዝተላዕለ (ኣብ ከም ኢትዮጵያን ሱዳንን) ብዙሕ ግዜ ዳግማይ ክሃድሙ ተቐሲቦምን ገሊኦም ድማ ናብታ ብዙሕ ዋጋ ከፊሎም ዝሃደሙላ ሃገሮም ክምለሱ ተገዲዶምን ኣለዉ።