ኤርትራ፡ 'ግዓት' ኣብ ዝርዝር ባህላዊ ቅርሲ ዓለም ንምምዝጋብ ትዳሎ
ኤርትራ፡ ነቲ ብወለዶታት ክሰጋገር ዝጸንሐ ዘይጭበጥ ባህላዊ ቅርስታታ ንምዕቃብን ኣብ ዓለምለኻዊ መዝገብ ንምስፋርን ዘኽእል ሃገራዊ ዓቕማ ንምዕባይ ትሰርሕ ከም ዘላ መርበብ ሓበሬታ ትካል ትምህርቲ፡ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ሓቢሩ። ብመሰረት ጸብጻብ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ ምድላው "ግዓት"...
Latest releases
ኤርትራዊ ጳውሎስ ወልደሃይማኖት ፕረዚደንት ሴካፋ ኰይኑ ተመሪጹ
ባይቶ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ንኤርትራዊ ኣቶ ጳውሎስ ወልደሃይማኖት ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመት ፕረዚደንት ናይቲ ማሕበር ኰይኑ ክሰርሕ መሪጹዎ። እቲ ብ7 ለካቲት ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ምርጫ፡ 11 ኣባላት ሃገራት፡ ካፍ፡ ፊፋን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ዝተሳተፍኦ ምንባሩ መርበብ ሓበሬታ ካፍ ይገልጽ። ኣብቲ መረጻ፡ ፕረዚደንት ፈደረሽን ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ኡጓንዳ ሙሴ ሃሲም ማጎጎ ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ቡሩንዲ ኣሌክሳንደር ሙየንገ ካብ ሕጹይነት ኣቐዲሞም...
ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብን ንዘተ ድልውቲ ክትከውንን ኢትዮጵያ ጸዊዓ
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክወጽእን ንልዝብ ድሉው ክኸውንን ጸዊዑ።ብመንገዲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ጊዴዮን ጢሞትዮስ [ዶ/ር] ንመዘናኡ ምኒስተር ዑስማን ሳልሕ ብቀዳም 07 ለካቲት ዝተጻሕፈ ምዃኑ ዝተመልከተ ደብዳበ፡ ኤርትራ ልኡላዊ ዶብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢታት ሰሜናዊ ምብራቕ ጥሒሳ ተቘጻጺራ ከምዘላ ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ልኡላውነቱን ዶባቱን ካብ ምግሃስ ክቝጠብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ጸዊዓ ከምዝነበረት ጠቒሱ፡ እቲ ጻዕርታታ ግን ከምዘይተዓወተት ገሊጹ።
መንግስቱ ይስሓቕ፡ ኣብ ዓዲ ጣልያን ንፋሺሽትነት ብምቅዋሞም ኣብ ማእሰርቲ ዝተሳቐዩ ኤርትራዊ
ኢጣልያዊ ደራሲ ማርኮ ሌንቺ ዝጸሓፋ 'All'inferno e ritorno' ("ናብን ካብን ገሃነም") ዘርእስታ ታሪኻዊት ግን ልበ-ወለድ ዘይኰነት መጽሓፍ ኰይና፡ ንፍሉይን ብዙሕ ግዜ ዕሽሽ ዝበሃልን መዳይ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ኤርትራ እትምርምር እያ። እታ መጽሓፍ፡ ሰበ-ስልጣን መግዛእቲ ጣልያን፡ ብፍላይ ኣብ ፈለማይ ምምሕዳር ኤርትራ፡ ንፖለቲካዊ ተቓወምትን ንመግዛእታዊ ምሕደራን ዘይተዋሕጠሎም ሰባት ንምቕጻዕን ንምምብርካኽን ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ መስርሕ መስጐግቲ ዜጋታት ዘተኰረት እያ። ንጣልያን ዝጻብኡ...
ጀርመን፡ ፖሊስ 'ቀታሊ ዮሴፍ' ኢሉ ንዝጠርጠሮ ወዲ 12 ዓመት ቈልዓ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒሉ
ፖሊስ ካብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ጥሪ ኣትሒዙ ንቐታሊ ወዲ 14 ዓመት ኤርትራዊ ዮሴፍ ንምርካብ ሰፊሕ ጻዕሪ ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓደ ስሙ ዘይተገልጸ ወዲ 12 ዓመት ቈልዓ በቲ ገበን ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓለ ገሊጹ። ዮሴፍ ንመወዳእታ ብህይወት ዝተራእየሉ ብ28 ጥሪ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ኰይኑ፡ ሓደ ብእግሩ ዝጓዓዝ ዝነበረ ሰብ ከባቢ ሰዓት 5:00 ድሕሪ-ቐትሪ...


























