ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ንጠለብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ ዝሃቡዎ ግብረመልሲ
ሓይሊ ዕማም ቀይሕ ባሕሪ ዝተሰምየ ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ምርካብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዘቕረበቶ ጠለብ፡ "ብታሪኽ ዘይቅኑዕን ብሕጊ ዘይምኽነን፡" ብምባል ብትሪ ነጺጉዎ። እዚ ዝወጽአ ሓድሽ መጽናዕታዊ ሓተታ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብ13 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ቅድሚ ባይቶ ሃገሩ ቀሪቡ፡ ቀይሕ ባሕሪ "ተፈጥሮኣዊ ዶብ ኢትዮጵያ" ምዃኑን 'ዋንነት' ባሕሪ "ጉዳይ ህላወ" ምዃኑን ድሕሪ ምግላጹ ምዃኑ...
Latest releases
በሃር ስነ ጥበባዊ ነጋሽ ብሰላም ዕረፍ
በሃር ስነ ጥበባዊ ነጋሽ ብሰላም ዕረፍ ምስ ብጾቱ ኣብ ቅድሚት ዝስለፍ ታሪኽ ኣለካ ብሸለልታ ዘይሕለፍ፣ ዓሪፍካ ዶ ወደቦይ ተኪኤ ደኺመ ከይበልካ ጸሚኤ ታሪኽ ኣለካ ኣብ ተሐኤ፣ ህቡብ ኤርትርዊ በዓል ሐቦ ዜማታትካ ሰሚዕካ ዘይትጸግቦ ጸረ መግዛእቲ ዝመከትካ ብዓንቶቦ ዜማኻ ንመንእሰይ ኤርትራ ዝስለቦ፣ ብበሃር ነጋሽ ወይዞሮ...
ኣዘርባዥያን፣ ኣብ ኤርትራ ምስ 18 ሰራሕተኛታተን ዝተታሕዛ ሰለስተ መራኽባ ንምልቃቕ ጻዕርታት ተካይድ ከምዘላ ገሊጻ
ኣዘርባዥያን፣ ኣብ ኤርትራ ምስ 18 ሰራሕተኛታታተን ተታሒዘን ዘለዋ ሰለስተ መራኽባ ንምልቃቕ ጻዕርታት ተካይድ ከምዘላ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ሎሚ 08 ጥሪ፣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እተን ናይ ንግዲ ምዃነን ዝተሓበራ መራኽብ ኣዘርባዥያን፣ ናብ ኣቡዳቢ እናምርሓ እንከለዋ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘጋጠመን ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ማዕበልን ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ ምስ ተጸግዓ፣ ብ07 ሕዳር 2024 ከምዝተታሕዛ‘ዩ መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።...
ኤርትራ፡ ካብ ሓርነታዊ ገስጋስ ናብ ምልካዊ ትኻስ
ኤርትራ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ንዓመተ 2025 ተቐቢላ። እዚ ጽምብል ኣብ ሻብዓይ ወርሒ ልደታ፡ ኣብ ጥሪ 1992 እያ ኣሃዱ ኢላ ፈሊማቶ። ሽዑ ጐደናታት ኣስመራ፡ ብስልማት ሓዲስ ዓመትን ልደትን ደሚቝ፡ ካብ በረኻን ስደትን ብዝተመልሱ ዜጋታት ኣዕለቕሊቑ፡ ብመዛሙር ተስፋን ዓወትን ማሚቝ ነይሩ። እቲ ህዝቢ፡ ዘይጽወር ጸይሩ፡ መሪር ስቓይ ተጻዊሩ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት፡ "ደጊም ስቓይና ተወዲኡ እዩ!" ብምባል፡ ርሁው መጻኢ እናሓለመ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታን ሓጐስን'ዩ ዝጽምብሎ ነይሩ። ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ሕልምን፡ ሕጂ ድሕሪ 33 ዓመት ናጽነት ከመይ ኣሎ? እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ንትጽቢትን ክውንነትን ጕዕዞ ሓድሽ ልደት ኤርትራን ውጽኢቱን ክግምግም...
ትውልደ ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ኢቦኒ ኦብሲዲያን ዝተዋስኣትሉ ፊልም 'ዘ-ሲክስ ትሪፕል ኤይት'
ምከና ዛንታ 1945 ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም እዩ። ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝነበራኣ በጦሎኒ 6888 [ሲክስ ትሪፕል ኤይት] ተባሂላ እትጽዋዕ ኣሃዱ ድማ ናብቲ ግንባር ተላኢኻ፤ ካብ ትጽቢት ጸዓዱ ሰበስልጣን ኣመሪካ ወጻኢ ዓቢይ ታሪኽ ሰሪሓ። እዛ ኣሃዱ፡ ሞራል እቶም ኣብ ውግእ ተዳኺሞምን ደሃይ ስድራቤቶም ስኢኖም ተሰላችዮምን ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመሪካ ሓፍ ኣብ ምባል ዓቢይ ታሪኽ'ያ ሰሪሓ። ታሪኽ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ግን፡ ክሳብ ፊልም 'The Six Triple Eight' ኣብ...