ኤርትራ ንመግለጺ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያን ጌታቸው ረዳን ዝሃበቶ ምላሽ
ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ "ትያትራውን ፈጠራውን" ክስታት ሓቅነት ከም ዘይብሉ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ገሊጹ። ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያን ኣገልግሎታት ጸጥታን ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ኣልጀዚራ ተላፊኑ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ህወሓት ብድፍኢት ኤርትራ "ኣብዚ ቀረባ መዓልታት" ኣብ ልዕሊ...
Latest releases
ሞሮኮ፡ ዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኣገዳስነቱን
እታ 'ኣግማል ቀይሕባሕሪ' ተባሂላ እትጽዋዕ፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ብኵራት ናብ ጸወታ ዝተመለሰት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ትማሊ ምስ ኢስዋቲኒ ኣብ ዘካየደቶ ቀዳማይ እግሪ ግጥም ቅድመ መጻረዩ፡ ክልተ ብ ዜሮ ተዓዊታ።,ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ዓብለሎም ተኽለዝጊ (ኣምበስ) ኣብ መበል 81 ደቂቕ፡ እቲ ኣቐዲሙ ፍጹም ቅላዕ ዝሰሓተ ዓሊ ሱሌማን ከኣ ኣብ መበል 90+4 ደቂቕ ብዘመዝገብወን ሸቶታት'ያ ነቲ ዓወት ንደገፍታ ኣበሲራ። ...
ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ዓመታት ብኩራት ትምለሶ ዘላ ጸወታ
ኤርትራ ቅድመ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027 ንምክያድ ኣንጻር ኢስዋቲኒ ንዝተሰርዓላ ጸወታ ንምክያድ ድሕሪ ናይ ኣስታት ሽዱሽተ ዓመታት ብኵራት ስሩዕ ኣህጉራዊ ውድድር ንምክያድ ናብ ሞሮኮ ኣምሪሓ ኣላ። እዛ ሃገራዊት ጋንታ ብሓድሽ ግብጻዊ ኣሰልጣኒ ኮሃ ሓሺም ያኪን ተመሪሓ ናብ ሞሮኮ ከም ዝኣተወን ኣባል ህዝባዊ ርከባት ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ኣቶ ድራር ፍስሃየ ብ21 መጋቢት ንማዕከናት ዜና ኤርትራ ከም ዝሓበረ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ይሕብር። ...
'እቲ ስንክልና ዘለዎ ወድና፡ ካብ ጸባብ ክፍሊ ንላዕሊ'ዩ ዘድልዮ'
ንትሸተዓ ኣዋርሕ፡ ኣካላዊ ስንክልና ምስ ዘለዎ ውላዶም ኣብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ ክነብሩ ዝጸንሑ ስድራቤት፡ ዝያዳ ምቹእ መንበሪ ንምርካብ ተስፋ ከም ዝቘረጹ ይረዛቡ።ሚልዮን ቦጋለ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘጋጥሞ ግፍዒ ሃዲሙ ናብ ብሪጣንያ ድሕሪ ምምጽኡ፡ ብ2024 ዕቝባ ረኺቡ። ኣብ ሰነ ድማ ናብ ስድራቤቱ ተጸምቢሩ። ኣብ በርሚንግሃም ምስ ቈልዑ ሓሙሽተን ሸውዓተን ዓመት ደቈም ድማ ኣብ ግዝያዊ መንበሪ ይርከቡ፣ እቲ በዅሪ ውላዶም ድማ ሴረብራል ፓልሲ ዘለዎ፡ ዘይረዛብን ዘይንቀሳቐስን ቈልዓ እዩ። ...
ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ተጻባኢ ኣጀንዳ ናይ ወጻኢ ኣእዳው ዘለዎ'ዩ- ኤርትራ
ኣዲስ ኣበባ ኣንጻር ኤርትራ እተካይዶ ዘላ "ተጻባኢ ኣጀንዳ" ናይ ወጻኢ ድፍኢት ኣለዎ ክትብል ኣስመራ ከሲሳ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ መግለጺ፡ "ናይ ኢትዮጵያ ስርዓት ሰልፊ ብልጽግና ኣንጻር ሃገረ ኤርትራን እቲ ዞባ ብዓቢኡን ሓደገኛን ግጭት ዝቕስቅስን ኣጀንዳ ይኽተል ኣሎ" ክብል ከሲሱ። "እዚ ተጻባኢን [ብወገን ኤርትራ] ዘይተሳወረን ኣጀንዳ" ከም "ናይ ህላወ" ጉዳይ ከምኡ'ውን "በቲ ናይቲ ስርዓት ልሙድ ዝተጋነነ ቋንቋ 'ኣገዳስነት ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ'" ከምዝኾነ ዝግለጽ እዩ" ይብል እቲ...

























