ኣብ ከም ሮኾቦት፡ በተኽቲክባን ካልኦት ኤርትራውያን ዝቕመጥሎም ቦታታትን ብዝዓለበ ሚሳይል፡ ቀሊል መቝሰልቲ ዘጓነፎምን ኣባይቶም ዝዓነዎም ስድራቤታትን ከም ዘለዉ፡ ክብሮም ተወልደ ካብ ማሕበር ሓድሽ ተስፋ ሓቢሩ።
"እቲ ቍጽሪ ብልክዕ'ኳ እንተ ዘይፈልጠና፡ ተሃሪሞም ናብ ሕክምና ዝተዓቝቡን ናብ መዕቈቢ ቦታ ምስ ከዱ ገዛኦም ፈሪሱ ዝጸንሖም ስድራቤታትን ከም ዘለዉ ክንፈልጥ ክኢልና ኣለና፡" ዝበለ ክብሮም፡ እቶም ቤቶም ዝዓነዎም መንግስቲ ብዝገበረሎም ሓገዝ ኣብ ሆቴል ይቕመጡ ከም ዘለዉ ይገልጽ።
እዞም ኣብ ሃገሮም ካብ ዝተወረመ መከራ ሃዲሞም ብዙሕ ዋጋ ከፊሎም ርግኣትን ድሕነትን ደልዮም ኣብ እስራኤል ዝተዓቝቡ ስደተኛታት፡ ምስ ዕለታዊ ናብራን ጽኑዕ ሕጊ ስደተኛታት እስራኤልን እናተቓለሱ፡ ኣብቲ ተሃዋሲ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ሓደ ድሕሪ ሓደ ብዝስዕብ ፍጻመታት ኣብ ዘየዕርፍ ቃልሲ ይርከቡ
ነቶም ኤርትራውያን፡ ድምጺ ተዅሲ ከም መሰነይታ ሙዚቃ ኰይኑ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም የቃልሕ ኣሎ።
"ሕጂ እናተዛረብኩኻ ከለኹ፡ ናይቲ ዝመክን ዘሎ ሚሳይላት ድምጺ እሰምዕ ኣለኹ። ናይ ተጠንቀቕ ምልክታ ስለ ዘይመጽአ ግን ክንቅጽል ንኽእል ኢና። ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብዚ ከባቢና ዝወደቐ ኣሎ፣ እቲ ቦታ ኣዝዩ ተሃስዩ እዩ፡" ይብል ቢቢሲ ትግርኛ ዘዘራረቦ ኣብ እስራኤል ን15 ዓመት ዝተቐመጠ ጸሓፊን ቪድዮግራፈርን ምሉእኣለም ገብረእግዚኣብሄር።
"ሕጂ እናተረዳእናዮ ንመጽእ ስለ ዘለና፡ ቀትሪ ክንድቅስ ንፍትን ክመሲ ከሎ ድማ ንዳሎ ኣለና። ምኽንያቱ፡ ቀልጢፍና ናብቲ መዕቈቢ ቦታ ክንወርድ ኣለና። እንተዀነ፡ ኣብ ቀትሪ'ውን ክትኰስ ስለ ዝጀመረ ንዅሉ ህይወትና ዘራሪጉዎ ኣሎ፡" ይብል።
ተቐማጢት ተልኣቪቭ ፍረወይኒ ተሾሞ ብወገና፡ "ኣብዘን ሓሙሽተ መዓልታት ብግቡእ ስለ ዘይደቀስና፡ ኣዝዩ ድኻም ኣለና፡" ትብል'ሞ፡ ከም ኣደ ተወሳኺ ሓላፍነት ከም ዘለዋ ተብርህ።
"በቃ ድቃስ የሎን። ኣብቲ ዝግ ዝብለሉ ከኣ ዝጐደለካ ክትምልእ፡ ቈልዑ'ውን ተጨናኒቘም ስለ ዘለዉ፡ ክትድቅስ ኣይትኽእልን ኢኻ፡" ትብል።
እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ምትፍናን እስራኤልን ኢራንን፡ እስራኤል ብ13 ሰነ 2025 ኣብ ልዕሊ ንዩክለሳውን ወተሃደራውን መሳለጥያታት ኢራን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ እዩ ናብ ቅሉዕ ኲናት ተሰጋጊሩ።
ኣብታ ለይቲ እቲኣ፡ ኣብ ቴህራን ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ፍንጀራታት ክስማዕ ሓዲሩ። መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኢራን ድሒረን ከም ዝሓበራኦ፡ ብውሕዱ ሸውዓተ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ሽዱሽተ ላዕለዎት ሊቃውንቲ ስነፍልጠት ንዩክለርን ከም ዝተቐትሉ ጸብጺበን።
እዚ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ብስዉርን ብናይ ውክልና ውግእን ክኸይድ ዝጸንሐ ፍሕፍሕ፡ ጕልባቡ ቀሊዑ ናብ ኲናት ክኣትዋ ገይሩወን ኣሎ። እስራኤል፡ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምህናጽ 'ኣለዋ' ንእትብሎ ዕላማ ንድሕነታ ሓደጋ ምዃኑ ክትገልጽ ከላ፡ ኢራን ግን ንሰላማዊ መዓላ ዘገልግል ምዃኑ ወትሩ ክትምጕት እያ ጸኒሓ።
እዚ ኲናት ንምሉእ ማእከላይ ምብራቕን ዓለምን ዝጸሉ እኳ እንተዀነ፡ ነቶም ኣብ ዘይርጕጽ ሃዋሁ ህይወቶም ንምምራሕ ኣብ ቃልሲ ዝጸንሑ ከም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝኣመሰሉ ሕብረተሰባት ድማ ኣብ ድሕነቶም፡ ቍጠባኦምን ኣእምሮኣዊ ጥዕናምን ዝህሉዎ ጽልዋ ዝኸበደ ይገብሮ።
"ኣብ ዕጽዋ ኢና ዘለና ክበሃል ይከኣል። ከም ድላይካ ክትወፍር ዘይምኽኣልን ፍርሒን ኣሎ። ንኣሽቱ ውዳበታት እንተ ዘይኰይኑ ናይ ኤርትራውያን ኮም የሎን። ቀደም ዘይጸንሐ ሕጂ ክህሉ ኣይክእልን፣ እዚ ዘይምህላው ድማ ሃስያኡ ዓቢይ እዩ። ስለዝዀነ፡ ናትካ ጥንቃቐን ምስትውዓልን የድሊ፡" ይብል፡ ኣብ እስራኤል ንኣስታት 11 ዓመታት ዝተቐመጠ ብርሃነ።
"እቶም ዜጋታት ብመንግስቲ ክግበረሎም ዝኽእል ሓለፋ ክህሉ እዩ። መሰል ዘይብሉ ስደተኛ ኴንካ ሰሙን እንተ ዘይሰሪሕካ ግን ከቢድ እዩ። እዚ ጉዳይ ኣብ ሓጺር ግዜ መዕለቢ እንተ ዘይረኺቡ ንምጻሩ ዝኸብድ ክኸውን እዩ፡" ይብል።
እስራኤልን ሓማስን ብ7 ጥቅምቲ 2023 ናብ ምሉእ ኲናት ድሕሪ ምእታዎም፡ ወጻኢታት መነባብሮ እስራኤላውያን ክውስኽ ተራእዩ እዩ። መንግስቲ ኣብ ምክልኻል ዝገብሮ ዝያዳ ወጻኢታት፡ ኣብ ቍጠባ ተወሳኺ ጸቕጥን ምውሳኽ ዋጋታትን ኣስዒቡ።
ዓመታዊ ጸብጻብ እስራኤል ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ኲናት ንቝጠባ እታ ሃገር ብብዙሕ መዳያት ሃስዩዎ እዩ ጸኒሑ። ጃምላዊ ሃገራዊ እቶት ጐዲሉ፣ ሰባት ናይ ምግዛእ ዓቕሞም ትሒቱ፣ ትካላት ንግዲ ዝገብርኦ ወፍሪ ጐዲሉን ሰደድ ድማ ቀኒሱን።
እቶም ካብታ ሃገር ወጺኦም ክምለሱ ዘይክእሉ፡ ስድራቤቶም ከይረኣዩ ዓሰርተታት ዓመታት ዝገበሩ፡ ካብ ብዙሕ ማሕበራዊ ጉዳያት ከይተረፈ ዝተደረቱ ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል፡ ካብ ቫይረስ ኮቪድ-19 ኣትሒዙ፡ ሓድሕዳዊ ግጭት፡ ኲናት እስራኤል-ሓማስ ስዒቡ ንብዙሕ መዳያት ህይወቶም ብኸቢድ ከም ዝጸለዎም እዩ ዝግለጽ።
እዚ ምስ ኢራን ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ድማ ነቲ ድሮ ተሃስዩ ዝጸንሐ መነባብሮኦም ዝያዳ ከም ዘብእሶ ይግመት።
"ንማሕበራዊ ህይወት ናይዚ ከባቢ ዘሪጉዎ ኣሎ፤ ፍርሒ፡ ጭንቂ፡ እንታይ ክስዕብ ይኽእል ዝብል ሕቶ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ይፈጥር ኣሎ። ዝበዝሕ ትካላት ካብ ስራሕ ደው ስለ ዝበለ፡ እቲ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዝዀነ ሰብ ኣብ ጸገም ይርከብ ኣሎ፡" ይብል ተቐማጢ ተልኣቪቭ ምሉእኣለም ገብረእግዚኣብሄር።
ፍረወይኒ'ውን፡ "ንኽልተ ሰሙን ናይ ተጠንቀቕ ኣዋጅ ስለ ዝኣወጁ፡ ካብ ስራሕ ጠጠው ኢልና ኢና ዘለና። ቤት ትምህርቲ ተዓጽዩ ደቅና ምሳና ኣለዉ። ከመይ ክኸውን እዩ ክሳዕ ሕጂ ዝተዋህበና ሓበሬታ የሎን፡" ትብል።
"ኵሉ ሃንደበት እዩ ኰይንና፡ ግዜን ሩፍታን ስለ ዘይረኸብና ከኣ ብዛዕባኡ ክንሓትት'ውን ኣይከኣልና፡" ትውስኽ።
ጽልዋ እቲ ኲናት ኣብ ህጻናትን ቈልዑን
እቲ ካብ ኢራን ዝውንጨፍ ሚሳይላት፡ ዝበዝሕ ኣብ ለይቲ ከም ዝትኰስ ዝገልጽ ምሉእኣለም፡ "እቲ ሰብ ደቂሱ ጸኒሑ ሰንቢዱ እዩ ዝትንስእ። ብሕልፊ ህጻናትን ቈልዑን ይብህርሩ ኣለዉ፡" ይብል። "እቲ ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ንባዕሉ ረባሺ ስለ ዝዀነ፡ ንቘልዑ ኣዝዩ ከቢድ ነውጺ ይፈጥረሎም ኣሎ፡" ኢሉ።
"ቈልዑ ምስቲ ምስ ሓማስ ይዅን ሕዝቡላህ ክካየድ ዘጸንሐ ኲናት፡ ብኣብያተ ትምህርቶም ሓበሬታታት ክወሃቦም ስለ ዝጸንሐ፡ ካብቲ ናይ ቅድም ዝሓሸ መረዳእታ ኣለዎም። እቲ ፍርሒ ግን ኣሎ። መከላኸሊ እስራኤል ነቲ ሚሳይላት ኣብ ሰማይ ከምክኖ ከሎ ዝፈጥሮ ድምጺ ስምባደ ይፈጥረሎም፡" ምህላዉ ይዛረብ።
ፍረወይኒ ጓል 7 ዓመት ቈልዓ ኣላታ። ኣብቲ መጀመርታ ቅድሚኡ ኣስሚዓቶ ዘይትፈልጥ "ተሪር ብኽያት" ከም ዘስምዐት ትገልጽ። ስምባድኣ ንምህዳእን ክትዘናጋዕን ድማ ሰለስተ ቈልዑ ናብ ዘለውዋ መሓዝኣ ወሲዳታ።
"እቲ ድምጺ መጠንቀቕታ ክመጽእ ከሎ ናባኻ ሽጉጥ ይብሉ፡ ይስንብዱ፡ ይበኽዩን ነቲ ድምጺ ከይሰምዑዎ ብኣእዳዎም ገይሮም ንኣእዛኖም ይሽፍኑን፡" ከም ዘለዉ ትገልጽ።
እቶም ህጻናትን ቈልዑን እቲ ኲናት ዝፈጥረሎም በሰላ ንምጕዳል ተራ ወለዲ ዝዓበየ እዩ። ነቲ ኵነታት ብግቡእን በብደረጃ ዕድመኦም ምእንቲ ክርድኡዎን ክግለጸሎም ይግባእ።
"ኣብያተ ትምህርቲ ዝህብኦ ሓበሬታታት ክንከታተልን ከነተግብርን፣ ከምኡ'ውን ናይዚ ኲናት ዘየድሊ ኣሳእል ከይርእዩ ክንቈጻጸሮምን የድሊ፡" ዝበለ ምሉእኣለም፡ "ወለዲ ብዝተኽእለ መጠን ክንሓቝፎም፡ መጻወቲ እናሃብናን ምስኦም እናተጻወትናን ኣድህቦኦም ካብቲ በሰላ ክገድፈሎም ዝኽእል ኵነታት ክንኣልዮም ይግባእ፡ ይብል።
ፍረወይኒ ብወገና፡ "ኣብ ሞባይል ዘየድሊ ሓበሬታ ከይርእዩ ንጽዕር እኳ እንተ'ለና፡ ነቲ ፍጻመ ብኣካል ይርእዩዎን ይነብሩዎን ስለ ዘለዉ ግን ከቢድ ይገብሮ፡" ኢላ።
ነቲ ሓድሽ ኵነት ንምግጣም ዝግበር ዘሎ ተበግሶታት

ምንጪ ስእሊ,Kibrom
እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንስግኣት፡ ቍጠባዊ ጸገማት፡ ንሃንደበታዊ ምቕያር ኵነታት ወዘተ እኳ እንተ ተቓልዑ፡ ንምብድሁ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ይገልጹ።
ሓደ ካብቶም ብዝተወደበ መንገዲ ዝነጥፉ ዘለዉ፡ ማሕበር ሓድሽ ተስፋ ዝበሃል ጕጅለ እዩ። እቲ ትካል ኣብ 2021 ዳግማይ ተወዲቡ ዝተጣየሰ ኰይኑ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ናይቶም ስደተኛታት ዝርኣዩ ማሕበራዊ ጸገማት ንምፍታሕ፡ ሕጋዊ ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይን መሰልካ ምፍላጥን ወዘተ ኣተኲሩ ይዓዪ።
ሓደ ካብ መስረትን ጸሓፍን ናይዚ ማሕበር ዝዀነ ክብሮም ተወልደ፡ ነዚ ሓድሽ ቅልውላው ንምብዳህ ካብ ጸለውቲ ሰባት፡ ሲቪክ ማሕበራት፡ ምንቅስቓሳት፡ ውድባትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝተዋጽአ ሓይሊ ዕማም ቈይሙ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ 'እዚ ደጀን' ብዝበሃል ንተቐመጥቲ እስራኤል ዝወሃብ ሓበሬታታት ናብ ትግርኛ እናተርጐሙ፡ ኣብ Eritrean New Hope Organization ኣብ ዝብል ናይ ፈይስቡክን ኢንስታግራምን ገጻቶም ብጽሑፍን ቪድዮን እናገበሩ ሓበሬታታትን መብርሂታትን ይህቡ ከም ዘለዉ ክብሮም ይሕብር።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ባይታ ኣብ ዝፍጠሩ ጸገማት (ዝተጐድኡ፡ ኣባይቶም ዝፈረሶም. . .) ካብ መንግስቲ ክወሃቦም ዝግባእ መሰላት ክረኽቡ እንተ ዘይክኢሎም ናይ ምጥባቕ ዕማም ከም ዘካይዱን ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ኰነ ቍጠባዊ ጸገማት ዘጓነፎም ሓገዝ ኣብ ምርካብ ከም ዝነጥፉን ይገልጽ።
መርበብ ሓበሬታ ኢምግረሽን እስራኤል ከም ዝሕብሮ፡ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድመኦም ልዕሊ 15,500 ኤርትራውያን ከም ዘለዉ፣ ብተወሳኺ፡ ልዕሊ 7,000 ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ቈልዑን ኣብ እስራኤል ከም ዘለዉ ይግመት።