ኤርትራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ክቕጽልን ተሓታትነት ክሰፍንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጸዊዐን
ኣብ መበል 62 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ስልጣኑ ክሕደስን ጉዳይ ተሓታትነት ክቕጽልንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጻውዒት ኣቕሪበን። እዚ ብ31 ዘይመንግስታውያን ኣህጉራውያን ማሕበራት ብ12 ግንቦት 2026 ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ናብቶም ኣብ ጀነቫ ዝርከቡ ቀወምቲ ወከልቲ...
Latest releases
ኤርትራ፡ ንልዕሊ 21 ዓመታት ኣቦታተን ዝተመንጠላ ስድራቤታት እንታይ ይብላ?
መንግስቲ ኤርትራ፡ መራሕትን ኣመንትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት በብእዋኑ ክጨዊ፡ ክኣስር፡ ናብ ፍርዲ ዘይምቕራብን ንዅነታቶም ዝገልጽ ሓበሬታ ብዘይምሃብን ክኽሰስ ጸኒሑ እዩ። ቅድሚ 21 ዓመት ኣቢሉ፡ ሓያለ መራሕቲ ገለ ማሕበራትን ኣብያተ እምነታት ካብ ሓዳሮምን ደቆም ተጨውዮም ድሕሪ ምእሳሮም ክሳዕ ሎሚ ደሃዮም የሎን። ዓመት መጽአ ኣብ ዕለታት ማእሰርቶም ብዛዕባኦም ብዙሕ ስለ ዝተባህለ እዚ ጽሑፍ ኣብተን ንልዕሊ 21 ዓመታት ብዘይ ኣቦ ከሕለልዋ ዝተፈርዳ ስድራቤታቶም ከተኵር...
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ መራሒ ግብጺ ብዛዕባ እንታይ ዘትዮም?
ንናይ ሓሙሽተ መዓልታ ዑደት ንግብጺ ዝገሸ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣ'ሲሲ ተራኺቦም ተዛትዮም። ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣ'ሲሲ ኣቀባብላ ተገይርሉ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ስደትን ኣብ ወጻኢ ዝሰርሑ ግብጻውያንን ዶክተር በድር ዓብደል-ዓቲን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ሚስተር ዑስማን ሳልሕ መሓመድን እውን ከምዝተረኸቡ እቲ መርበብ ሓበሬታ የመልክት። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣ'ሲሲ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት እዩ...
ኤርትራ፡ ምኒስተር የማነ ብ 'ሕማም ምስፍሕፋሕ' ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኰኒኑ
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ 'ዕዋጀ ሕማም ምስፍሕፋሕ ንዓሰብ ቀይሕ ባሕሪ' ብምባል ነቲ ሰሉስ 28 ጥቅምቲ ብቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ዝተዋህበ መግለጺ ብትሪ ነቒፉ።ኣቶ የማነ፡ እቲ ኣብ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ዝተጸፍየ "ሕማም ዕዋጀ ዓሰብ" ኣብ ግዜ እናተጋህደ ሓደገኛ እናዀነ ይመጽእ ከም ዘሎ ብምምልካት፡ እዚ ሕጂ ዝቐርብ ዘሎ ምጕት ንኣድላይነት ምምጥጣር ንገጽ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ኵነታት ጻዕቂ ብዝሒ ሕዝቢ ተኣሳሲሩ ይቐርብ ምህላዉ ጠቒሱ። እቲ ኣብ ዓሰብ ዘሎ ህዝቢ ምስቲ...
ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስ ኢሳይያስ ብዛዕባ ዓሰብ ብተደጋጋሚ ተዛሪብና ዝበሎ እንታይ እዩ?
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ብዙሓት ሕቶታት ዝተልዓለሉ፡ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፡ ንሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ'ውን ደጊሙ ኣልዒሉ። "ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ሕጋዊ፡ ታሪኻዊ፡ መልክዓ ምድራዊን ቍጠባውን ሕቶ እዩ ኢልና ኢና ንኣምን" ዝበለ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንኽትስእን 30 ዓመት ዝወሰደ ቃልሲ ብምዝኽኻር፡ 'ነቲ ዝሰዕኣነቶ ደጊማ ንኽትረክብ ግን ካልእ 30 ዓመት ኣየድልያን' ኢሉ። ስኽን ኢልካ ብዝረግአን ሰላማዊ መንገድን ምኻድ ኣድላዪ እዩ...


























