UK threatens to ban Eritreans over migrant return policy
Home Secretary Shabana Mahmood has threatened to ban all Eritreans from entering the UK if the east African country's government does not accept more returns of small boat migrants and foreign...
Latest releases
ሶማሊላንድ፡ ኤርትራን ቻይናን ዝሃብኦ መግለጺታት
ኤርትራ፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ብዝምልከት ካብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት "ዘየወላውል ንጹር መልሲ ኪወሃቦ" ጸዊዓ። እዚ ስጕምቲ ዞባውን ዓለማውን ዘይምርግጋእ ቅልውላውን ዕንወትን ከስዕብ ከምዝኽእል'ውን ኣጠንቂቓ። ኤርትራ፡ ቻይና ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት "ሕልናዊ ሓላፍነት " ክትስከም ከምኡ'ውን ነቲ እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ "ዘየማትእ ምላሽ" ኣብ ምሃብ ኣጃማ ክትጻወት ብምጽዋዕ፡ ነቲ ውሳነ ምስ ጉዳይ ታይዋን ኣተሓሒዛቶ። እቲ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ብሰንበት ዘውጽኦ መግለጺ፡...
ኤርትራ፡ ባይቶ ጸጥታ ብእስራኤል ንዝተዋህበ ኣፍልጦ ሶማሊላንድ ምላሽ ክህብ ተማሕጺና
ኤርትራ፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ብዝምልከት ካብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት "ዘየወላውል ንጹር መልሲ ኪወሃቦ" ጸዊዓ። እዚ ስጕምቲ ዞባውን ዓለማውን ዘይምርግጋእ ቅልውላውን ዕንወትን ከስዕብ ከምዝኽእል'ውን ኣጠንቂቓ። እቲ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ብሰንበት ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ "ጸወታ" ምስጢር ዘይኮነስ፡ ንሓያሎ እዋን ክጥጃእ ዝጸንሐን፡ "ሓደገኛ ዞባዊን ዓለማዊን ቅልውላውን ዕንወትን" ዘለዓዕል ሓደጋ ከምዘለዎን ገሊጹ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ግብጺ ኣብ ዘካየዶ...
ብምስግጋር ሰባት ዝኽሰስ ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ ናብ ኔዘርላንድስ ተመሓላሊፉ ተዋሂቡ
ብምስግጋር ዲቂ ሰባት ዝኽሰስ ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ፡ ኣብ ኔዘርላንድ ናብ ፍርዲ ንኽቐርብ ብረቡዕ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ኔዘርላንድስ ተመሓላሊፉ ከምዝተውሃበ ማዕከን ዜና ኤቢሲ ኣቓሊሑ። እቲ ወዲ 41 ዓመት ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ኣብ 2021 ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቤት ፍርዲ ካብ ዝሃድም ኣትሒዙ ብደረጃ ዓለም ሽሙ ኣብ ዝርዝር ተደለይቲ ሰባት ሰፊሩ ምንባሩ ኣኽበርቲ ሕጊ ኔዘርላንድስ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም። ኪዳን...
ዓብይ ሙፍቲ ኢብራሂም ኣል-ሙኽታር እቶም ቀዳማይ ሙፍቲ ኤርትራ
ሼኽ ኢብራሂም ሙኽታር እቶም ቀዳማይ ብግዜ ጣልያን ዝተሾሙ ሙፍቲ ኤርትራ ነበሩ። ፍሉይ ብዝኾነ ክእለቶምን ፍረ-ጻዕሮምን ኣቢሎም ኣብ ኤርትራ ለውጢ ዘተኣታተዉ መስተውዓሊ ሰብ'ኳ እንተነበሩ ብዛዕባኦም እንፈልጦ ግን ኣዝዩ ሒደት'ዩ። ፕሮፈሰር ጆናታን ሚራን ዝተባህለ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመደበሩ ተመራማሪ ታሪኽ ኣፍሪቃን እስላማዊ ዓለምን ብዛዕባ ሼኽ ኢብራሂም ሙኽታር ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ ኢትዮፒካ ዘቕረቦ ግሩም ሓተታ ኣሎ። እቲ ሓተታ፡ ሼኽ ኢብራሂም መራሕ-ሃይማኖት ጥራይ ዘይኰኑስ ከም ንጡፍ ጸሓፍን ተመራማርን፡ መንገዲ...
























