ኣስመራ፡ ንመደረ ኣቢይ ኣሕመድ ዝሃበቶ ግበረመልሲ
ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ 7 ሓምለ 2026 ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዘስምዖ ዓመታዊ መዕጸዊ መደረ ብትሪ ነቒፉ። ኣቶ የማነ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ገዛኢ ሰልፊ ዝኽተሎ ዘሎ፡ "ዘይርጕእ ፖሊሲታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሰፍን ንዝግባእ...
Latest releases
ንመንግስቲ ኤርትራ ባህ ዘየበለ ዝመስል መግለጺ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ: ስለምንታይ?
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ መጋባእያ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ መግለጺ፡ ንመንግስቲ እታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ዘሐጐሰ ኣይመስልን። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ 2011 ኣትሒዙ ኣብቲ ዝዓበየ መድረኽ መራሕቲ ሃገራት ኣይተሳተፈን። ኣብቲ መበል 80 ሓፈሻዊ ኣኼባ'ውን ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ እዩ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምውካል መደረ ኣስሚዑ። እንተኾነ እቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ እታ ሃገር ዝኾነ ሚኒስተር ዑስማን ዝሃቦ መግለጺ ንኣስመራ ባህ ከምዘየበለ ጸብጻባት የመልክቱ። ዳርጋ ኩሎም ማዕከናት ዜና መንግስቲ እታ ሃገር ንመግለጺ እቲ ሚኒስተር ሸፈነ ሂቦሞ እዮም።
ወየ ወየ ኣታ ወልደኣብ ዓርከይ እንታይ ተረኸበ
ወየ ወየ ወልደኣብ ዓርከይ ዓሪፍካ ምስ ሰማዕኩ ብዙሕ ነቢዔ፣ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ፈስቲቫል ካስል ምስ ተራኺብና፣ናይ ግዜ ንእስነትና ናይ ማይ ፓውዛን ኣርባዕተ ኣስመራ ዘኪርና ብዙሕ ኣዕሊልና፣ነጻነት ብሐርነት ስለ ዘይተዛዘመ ንግዝኣተ ሕጊ ክንዝቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዋዕላ ኣቃቂ ዝካኣለና ገርና፣ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ከይተሐለለ ክሳብ ዕረፍቱ ዝተቃለሰ ሐርበኛ ኤርትራዊ።...
ኣድህቦ ዝሰኣነ ሰቘቛ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ዓፋር እንታይ ይመስል?
ልዕሊ 40 ደረጃ ሰልሰስ ኣብ ዝምቘቱ ቦታ፡ እሞ ድማ ከም ማይ፡ መግብን መድሓኒትን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ቀረባት ኣብ ዘይብሉ ምንባር ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንምርድኡ ኣጸጋሚ ኣይኰነን። ይዅን'ምበር፡ እዚ ነቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ተደኲኑ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ኤርትራውያ ዕለታዊ መንብሮኦም እዩ። እዞም መብዛሕቶኦም ተወለድቲ ብሄረ ዓፋር ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ እቲ ህይወት ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ብምጥቃስ መንብሮኦም እንታይ ከም ዝመስል ንቢቢሲ ሓቢሮም...
ኣፍደገ ባሕሪ / ኣፍደገ ሓዊ
ብሓጺሩ !ብኣዚዩ ዝሓጸረ ገለጻ ፡ኤርትራ ከም ኩለን ዓጽመስጋዊ ቋንቋዊ . . . ዝምድነኤንኣብ ግምት ከይኣተወ ብመግዛዕቲ ብካራ ተተርቲረን ቅርጸን ዝሓዛ ሃገራት`ያ ፤ኤርትራ ከም ኩለን ብዓመጽ ብካራ ተተርቲረን ቅርጸን ዝሓዛ`ሞ ብኣህጉራውን ኣፍሪቃውንውዑላት ዶባተን ክረግእ ዝተገብረ ሃገራት ኣብ ርእሲ ምዃና፤ ን30 ዓመት ነቲ...
























