መንግስቲ ኤርትራ ሰብመዚ ስዊዘርላንድ ንዝወሰድዎ ውሳነ ኰኒኑ

ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ዝጽንበል ሃገራዊ በዓል ናጽነት "ኩሉ ሳዕ ሰላማዊን ስድራቤታውን" ምዃኑ ጠቒሱ።

"በቲ ንመዓልቲ ናጽነትን ዓመታዊ ምስቲ ክቡር ኣጋጣሚ ዝካየድ ጽንብላትን ዝምልከት ብ17 ሚያዝያ ዝተላእኸ ደብዳበ ከምዝተቖጥዐ" እቲ ኤምባሲ ነቒፉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ኣውሮጳ ብደገፍቲ መንግስቲ ኣብ ዝካየድ ጽንብላት ጐነጽ ዝተሓወሶ ናዕብታት ክካየድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ልዕሊ 300 ኣብ ዞባ ገርላፊንኸን (ስዊዘርላንድ) ዝነብሩ ኤርትራውያን ደገፍቲ መንግስቲ ኣብ ሓደ ዘዳለውዎ ጽንብል ንምስታፍ ኣብ ዝመጽእሉ፡ ኣስታት 200 ዝዀኑ ኣእማን፡ ሓጻውንን ኣባትርን ዝሓዙ ተቓወምቲ መንግስቲ ነቲ ምትኽኻብ ክብትንዎ ከም ዝኸዱ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም ነይሮም።

ኣብቲ ናዕቢ ሓደ ኣባል ፖሊስን ሓንቲ ኤርትራዊትን ቆሲሎም ምንባሮም ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓደ ኮሚቴ ባይቶ ስዊዘርላንድ፡ ሕቶኦም ንዝተነጽጉ ኤርትራውያን ሓተቲ ዕቝባ ናብ ኣፍሪቃ ንምምላስ ዝዓለመ ውጥን ኣጽዲቑ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ብሪጣንያ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ጽንብል ፌስቲቫል በቲ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ተፈጢሩ ዝነበረ ምትፍናን ብዝሰግኡ ሰብመዚ ምስራዙ ኤርትራ ተቓውሞኣ ገሊጻ ነይራ።

ብድሕሪኡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል'ውን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ናዕቢ ተፈጢሩ ነይሩ'ዩ።

ጽንብል ግንቦት 24 "ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ኣውሮጳን ካልእ ክፋላት ዓለምን ወትሩ ሳላማዊ ናይ ስድራቤት ኣጋጣሚ" ኰይኑ ክጽንበል ከም ዝጸንሐ እቲ ኣብ ጀነቫ ዝርከብ ቀዋሚ ልኡኽ የረድእ።

"ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ 'ንመሰላት ኤርትራውያን ዝቃለሱ ኤርትራውያን' ዝብሉ ጐነጻውያን ጉጅለ ነቲ ልሙድ ሳላማዊ ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ክዘርግዎ ይፍትኑ ኣለዉ" ኢሉ።

"ንጐነጻዊ ስነምግባሮም መሰረት ብምግባር ነቶም ንሕጊ ዝምእዘዙ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ኤርትራውያን-ከምቲ ንቡር ልምዶም- መዓልቲ ናጽናት ብሰላምን ትሕትናን ከየኽብሩ ምኽልካል ኣብቲ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ምኽኑይ ኣይኰነን" ኢሉ።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ እዋን ቃልሲ ጀሚሩ ሓያል ኮማዊ ውዳበ ዝጸንሖ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብኤምባሲታትን ደገፍቱ ዝዀኑ ማሕበረኮማትን ፌስቲቫላት፡ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታትን፡ 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ዝርከብዎ ጽንብላት ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ግን፡ "ብርጌድ ንሓመዱ" ተባሂሎም ዝፍለጡ ተቓወምቲ ናብ ቦታ ጽንብላት ደገፍቲ ብምኻድ ዳሳት ከፍርሱን ከቃጽሉን ምጽንሖም ይፍለጥ። እቲ ጽንብላት መንግስቲ ኤርትራ ንፕሮፖጋንዳዊ ጐስጓስን ኣታዊታት ንምእካብን ዝጥቀመሉ ምዃኑ እቶም ተቓወምቲ ይኸሱ።

እቲ ተቓውሞታት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስን ተሽከርከርቶምን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ገለ ተሳተፍቲ እቲ ጽንብላት ጉድኣት ከምዘውረዱ ይዝከር። ገለ ካብኣቶም ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት ዝወረዶም ኣለዉ።

ኣብቲ ኣብ ነዘርላንድስ፡ ካናዳ፡ እስራኤል፡ ጀርመንን ስዊድንን ዝርከብአን ሃገራት ዝተኻየዱ ተመሳሳሊ ናዕብታት ዝተሳተፉ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን፡ ብዙሓት ካብኦም ከም ዝተፈትሑን ጸብጻባት ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ጥራይ፡ ሰብመዚ ፖሊስ ሃገረ ነዘርላንድስ፡ ስእሊ ናይቶም ብ17 ለካቲት ኣብ ከተማ ደንሃኽ [ሄግ] ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ‘ኤርትራውያን ጕጅለታት’ ተሳቲፎም ኢሉ ዝጠርጠሮም ብምዝርጋሕ ይደልይዎም ከምዘለዉ ሓቢሮም ኣለዉ።

እቲ ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ፖሊስ እታ ሃገር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ዕለት ዕግርግር ካብ ዝተፈላለያ ካሜራታት፡ ብዝተፈላለየ ኵርናዕ ዝተወስደ ኣሳእል ሽዱሽተ ሰባት ዝሓዘ'ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝምራሕ ስርዓት፡ ንኣስታት 33 ዓመታት ነታ ሃገር ብዘይ ሕገመንግስትን ሃገራዊ ምርጫን ይመርሓ ኣሎ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝተፈላለየ ምግሃስ መሰላትን ብምህዳም ናብ ስደት ክውሕዙ ምጽንሖም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

መንግስቲ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ነቲ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ስቅያት፡ ምስዋር ሰባትን ምግዳብ ሃይማኖታዊን ፖለቲካውን ናጽነታት ይቕጽሎ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘውጽኦ ጸብጻብ ይገልጽ።