ስነጥበበኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ በሃር በረኸት መንግስትኣብ እንታይ ኢሎም?
በሃር ሃርሃሪ በረኸት መንግስትኣብ ኣብዚ ከየባተኸ ንልዕሊ 65 ዓመታት ኣብ ስነጥበብ ዝተጓዕዞ፡ ልዕሊ 300 ደርፍታት ኣፍርዩ። ሙዚቃዊ ስርሓቱ ዝተፈላለዩ ህርመታት፡ በበይኖም ቅኒታት፡ ዓሚቝን ሰፊሕን ትሕዝቶ ግጥምታት ወዘተ ዝሓዘ እዩ። ስለዝዀነ፡ ኣብ ሰለስተ ወለዶታት ኣሰር ዝገደፈን ኲኖ ኤርትራ ዝሓልፍ ሰማዕቲ ዝረኸበን እዩ። ዜና ዕረፍቱ ምስ ተሰምዐ፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውን፡ ሱዳናውያን. . . ብዝተፈላለየ መንገዲ 'ብሰላም ዕረፍ' ክብሉን ኣድናቖቶም...
Latest releases
ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ናብ ሰራዊት ሱዳን ኢዱ ሂቡ
ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ኣብ ዞባ ኣል ጀዚራ፣ ኣቡ ዓቕላ ካኪል፣ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኢዱ ከምዝሃበ ተሓቢሩ።ኣፈኛ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ኣዛዚ ነቲ ንሃገርን ቅንዕናን ብምምራጽ፣ ብሰላም ኢዱ ከምዝሃበ ብምርግጋጽ፣ ምስ ሰራዊት ሱዳን ተጸንቢሩ ኣንጻር ዓመጽ ክቓለስ ምውሳኑ ኣመልኪቱ። ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት፣ ብርክት ዝበለ ኣጽዋርን ኣባላት ፈጣን ሓይልትታትን ሒዙ ናብ ሰራዊት ሱዳን ኢዱ ከምዝሃበ ‘ዩ ተሓቢሩ። ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት...
ግጥም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ
ሃገራውያን ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን: ናይ መጻርዪ ዋንጫ ቻምፕዮንሺፕ ኣፍሪቃ ግጥመን ኣብ ደቡብ ሱዳን ከም ዘካይድኦ ተፈሊጡ።እቲ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ክካየድ ዝነበሮ ክልተ ዙርያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ኣብ ከተማ ጁባ ክውዳእ ምዃኑ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ ከምዝሓበሮ፡ ኣሰልጣኒ መሳይ ተፈሪ ኣብቲ ግጥም ዝሳተፉ ተጻወቲ መነመን ምዃኖም ኣለልዩ ኣሎ። እቲ ጸወታ ስለምንታይ ኣብ ደቡብ ሱዳን ክካየድ ከም ዝተወሰነ ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን።
ምቅይያር ኪዳናት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጽልዋታቱን ሳዕቤናቱን
ኣብ መፋርቕ 2018፡ እቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣስታት 20 ዓመት ጸኒዑ ዝነበረ “ኵነተ ኲናት”፡ ብኣኽብሮ ኣህጉራዊ ብይን ውሳነ ዶባት ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ብዕርቀ ሰላም ተወዲኡ፡ ኣብቲ ዞባ ጩራ ሰላም ተዀሊዑ። እቲ ሰላም ሓሪምዎ ዝነበረ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት “ደጊም ይኣኽለና!” ክብል ነቲ ብስራት ብድሙቕ ዕልልታን ልባዊ ሓጐስን ተቐቢልዎ።
መራሕቲ ኣፍሪቃ ስለምንታይ እዮም ኵነታት ጥዕናኦም ዝሓብኡ?
ፕረዚደንት ካሜሩን ፖል ቢያ ካብ 1982 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ይርከብ።ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ጥዕናዊ ኵነታት ክልተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ካሜሩን ፖል ቢያን ፕረዚደንት ማላዊ ላዛሩስ ቻክዌራን ኣዘራራቢ ጉዳይ ኰይኑ ቀንዩ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ፡ ኵነታትን ሃለዋትን ናይቲ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ዝበሓተ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እውን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣዛራቢ ኰይኑ ነይሩ። ድሕሪ'ቲ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ - እዋን ረፈረንደም፡ ሓሚሙ ተባሂሉ ንእስራኤል ንሕክምና ምኻዱ ዝተገልጸሉ ኣጋጣሚ፡ ብድሕሪኡ ብዛዕባ ሕማሙን ሕክምናኡን ብወግዒ ዝስማዕ ነገር የለን። ...
























