ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ክኣትዉ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ሓቢሮም
ኣብ እዋን ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ዳግማይ ውግእ፡ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ብምእታው ክግስግሱ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ከተማ ዓዲ-ግራት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝበልዎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝለብሶ "ቆጽለዋይ ሬንጀርን ሓመዳዊ ሬንጀርን" ዝተኸደኑ ወተሃደራት ኣብ ዓበይቲ መካይን ተጻዒኖም ንውሽጢ ክሓልፉ...
Latest releases
ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ደረጃ 'ትሑት ሰላም' ዘለወን ሃገራት ተሰሪዐን
ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ዝርዝር ትሑት ሰላም ዘለወን ሃገራት ከም ዝተሰርዓ ግሎባል ፒስ ኢንዴክስ ኣመልኪቱ። ግሎባል ፒስ ኢንዴክስ (ጂፒኣይ) ኵነታት ሰላም 163 ሃገራት ዓለም ኣብ ዝገምገመሉ ጸብጻብ ዓመተ 2025፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትሑት ነጥቢ ብምርካብ፡ኣብ ድሕሪት ኣስፊሩወን። ኢትዮጵያ ካብ 163 ሃገራት ነተን 25 ብምቕዳም፡ ኣብ መበል 138 ደረጃ ተረቝሓ። ብተወሳኺ ኣብዚ ገምጋም ኵነታት ሰላም ካብ...
መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢጣልያ ዝኸተሞ ውዕል፡ ንወፍሪ ተዳልዩ ከም ዘሎ ዘርኢ ድዩ?
ኣብ ለካቲት 2024 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳመይቲ ምኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒን ኣብ ሮማ ድሕሪ ዝካየዱዎ ምርድዳእ፡ ብ29 ሓምለ 2025 ንልኡኽ ኢጣልያ መሪሑ ናብ ኤርትራ ዝተጓዕዘ ምኒስተር ሕርሻ፡ ልኡላውነት መግብን ሃብቲ ገረብን ፍራንቸስኮ ሎሎብሪጋዲ ምስ ምኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኤርትራ ነስረዲን መሓመድሳልሕ ሓፈሻዊ ናይ ምትሕብባር ሰነድ ከም ዝኸተሙ ይፍለጥ። እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ ወፍሪ፡ ምምዕባል መሰረተ-ልምዓት፡ ምስናዕ፡ ሕርሻ፡ ሃብቲ ባሕሪ፡ ቱሪዝም፡ ባህሊ፡ ስፖርትን ምምዕባል...
ልዕሊ ዓቐን ስደተኛታት ኣብ ዝፀዓነት ጃልባ ሰለስተ ኣሓት ሞይተን ተረኺበን
ሰለስተ ሱዳናውያን ኣሓት ብሓንቲ ልዕሊ ዓቐን ዝፀዓነት ንእሽተይ ጃልባ ስደተኛታት፡ ብማእከላይ [መዲትራንያን] ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ኣብ ዝሰግራሉ ዝነበራ እዋን ሞይተን ከም ዝተረኸባ ትካል ገባሪ ሰናይ ጀርመን ብሰንበት ኣፍሊጡ። እተን ካብታ ብኲናት ዝተሃሰየት ሱዳን ዝተበገሳ ሰለስተ ኣሓት ዕድመአን 9፣ 11 ን 17 እዩ። ከም ሓበሬታ ትካል ስደተኛታት ዓለም፡ ካብ 2014 ንደሓር ንሓደገኛ መስመር ባሕሪ መድትራንያን ኣቋሪጾም ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ልዕሊ 30 ሽሕ ስደተኛታት ሞይቶም እዮም። ምስ ጀርመናዊ ትካል ገባሪ...
ኤምባሲ ኤርትራ፡ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ክፍትሑ ንዝጽውዕ ጥርዓን ኣይቅበልን ኢሉ
ተጣበቕቲ ምግሃስ ሃይማኖታዊ ናጽነት ብዓርቢ 22 ነሓሰ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ዋሽንግተን ዲሲ ተረኺቦም ድሕሪ ዘካየዱዎ ሰለማዊ ሰልፊ፡ እቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ብዘይ ክሲ ተመቚሖም ዝርከቡ ሸውዓተ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ክፍትሑ ዝጽውዕ ጥርዓን ነቲ ኤምባሲ ክህቡዎ ኣብ ዝፈተንሉ ምቕባል ከም ዝኣበዩዎም ተገሊጹ። እቲ ንኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያንን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ዝተኻየደ መደብ፡ ሽርክነት ሃይማኖታዊ ሓርነት ንፍትሒ ብዝተባህለ ትካል ዝተመርሐ ኰይኑ፡ 21 ዊልበርፎርስ፡ 'ሰት ማይ ፒፕል...


























