ኤርትራ፣ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም

መንግስቲ ኤርትራ ብዓርቢ 12 ሚያዝያ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝፈትሐ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ካብ ክልተ ወርሒ ክሳብ ልዕሊ ሓደ ዓመት ተኣሲሮም ዝጸንሑ እሱራት ካብ ክልል ትግራይ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ዝመጹ ምዃኖም ተገሊጹ።

ኣብ ኣውራጃ ታሕታይ ኣድያቦ ሓላፊ ሰላምን ጸጥታን ነቲ ምፍታሕ ከረጋግጽ እንከሎ እቶም ውልቀሰባት ኣብ ኤርትራ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ባረንቱ ተኣሲሮም ምንባሮም ኣብሪሁ።

ንገለ ክፋል ትግራይ ተቖጻጺሩ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ምጅማር ወርሒ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ብዝምታ ከብቲን ምጭዋይ ሰባትን ከምዝተኸሰ ትካላት ረዲኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምርኩስ ብምግባር ማዕከን ዜና ኣሾሼትድ ፕረስ ገሊጹ ኔሩ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ብ22 ጥሪ ሰራዊት ኤርትራ ሸሞንተ ጓሶት ምስ የእዱጎምን ኣግማሎምን: ብ5ን 6ን ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት ሽዱስተ ሓረስቶት ምስ 56 ጥሪቶም: ኣብ ሓደ ከምኡ ኣጋጣሚ ውን ልዕሊ 100 ጥሪት ከምዝዘመቱ ኣሾሼትድ ፕረስ ትገልጽ።