ኣስመራ፡ ንመደረ ኣቢይ ኣሕመድ ዝሃበቶ ግበረመልሲ
ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ 7 ሓምለ 2026 ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዘስምዖ ዓመታዊ መዕጸዊ መደረ ብትሪ ነቒፉ። ኣቶ የማነ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ገዛኢ ሰልፊ ዝኽተሎ ዘሎ፡ "ዘይርጕእ ፖሊሲታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሰፍን ንዝግባእ...
Latest releases
ንሃገራዊ ሓድነትን ምክልኻል ልኡላውነትን- ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝወጸ ኣዋጅ
መቕድምንሕና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምስ-ካብ ነፍሲ ወከፍ ዞባን፡ ሕብረተሰብን፡ ፖለቲካዊድሕረ ባይታን ዝመጻና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ እንነብር ህዝቢ ኩልና- ኣብምክልኻል ናጽነት ሃገርናን፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን፡ ልኡላዊ መሰላትን ብሓደ ደው ኢልና ኣለና።እዚ መግለጺ‘ዚ ኣህጉራዊ ሕጊ ንምርግጋጽን፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ናጽነትን...
ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ኣፍሪቃ ንፈለማ ኣብ እተአንግዶ ሻምፒዮን ደረጃኦም ይዕቅቡ ዶ?
ኣፍሪቃውያን ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ካብ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ኣትሒዞም ስሞም ከጸውዑ ጸኒሖም'ዮም፤ ብፍላይ ከኣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ። ሕጂ ከኣ ነቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ናይ ሃገራት ውድድር ዝዀነ ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ 2025 ኣብ ኣፍሪቃ ሃገረ ርዋንዳ ካብ ሰንበት ጀሚሩ ስለዝእንገድ ተወሳኺ ድርዒ ሂብዎም ኣሎ። ሻምፕዮና ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1921 ኣብ ሃገረ ሽወደን ክካየድ ካብ ዝጅመር፡ ን91 ግዜ ኣብ ካልእ ኣህጉራት ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ'ዩ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ክካየድ።
ብንያም ስምኦን፡ መስራትን ዳይረክተርን ራድዮ ኤረና ተዓዋቲ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2025 ኰይኑ
መስራትን ዳይሬክተርን ራድዮ ኤረና ብንያም ስምኦን ኣብቲ ዓመታዊ 18 መስከረም ዝርቋሕ ሽልማት ፐን ኤርትራ ተዓዋቲ እዚ ዓመት ከም ዝዀነ እቲ ትካል ብመገዲ መርበብ ሓበሬታኡ ብወግዒ ሓቢሩ። 18 መስከረም፡ ነቲ ኣብ 2001 ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተገብረ ምእጋድ ኵለን ኣብታ ሃገር ዝነጥፋ ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ዝሰዓበ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ንምዝካር ተባሂላ ከምዝተሓርየት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ፐን ኤርትራ ካብ 2019 ኣትሒዙ ዓመታዊ ኣብ ምድንፋዕ መሰል ናጽነት ምግልጽ ሓሳባትን ምምዕባል ስነጥበብን ጕሉሕ ተራ ንዝተጻወቱ ሰባት፡ ብዝወሃብ ድምጺ ክሽልም ጸኒሑ እዩ። ...
'ኢትዮጵያ ንዘልኣለም እስርቲ ጂኦግራፊ ኰይና ክትነብር እያ ኢሉ ዝሓስብ ብደው ዝሞተ እዩ' - ኣብይ ኣሕመድ
ዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ እስርቲ ጂኦግራፊ ኰይና ከምዘይትተረፍን፡ኣፍደገ ባሕሪ መሊሳ ከምእትረክብን ተሓንዩ። እቲ ቀዳማይ ምኒሰተር፡ ብ16 መስከረም 2025፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 'የመደመር መንግስት' [መንግስቲ ምድማር]፡ ዝብል ራብዓይ መጽሓፉ ኣብ ዘመረቐሉ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ መደረ እዩ ከምኡ ኢሉ።ኣብቲ ብጭብጨባን ልዑል ድምጺ ደገፍን ዝተዓጀበ፡ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕርን መእተዊ ኣፍደገ ባሕርን ዘተኰረ መደረኡ፡ ብፍላይ ድማ 'ቀይሕ ባሕሪ ናብ ኢትዮጵያ ምምላሱ ዘይተርፍ' ምዃኑ ተዛሪቡ። "ኢትዮጵያ...
























