ኣስመራ፡ ንመደረ ኣቢይ ኣሕመድ ዝሃበቶ ግበረመልሲ
ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ 7 ሓምለ 2026 ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዘስምዖ ዓመታዊ መዕጸዊ መደረ ብትሪ ነቒፉ። ኣቶ የማነ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ገዛኢ ሰልፊ ዝኽተሎ ዘሎ፡ "ዘይርጕእ ፖሊሲታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሰፍን ንዝግባእ...
Latest releases
ናብ ምሕጫጭን ምሳሌታትን ዝሰገረ ዳርባ ቃላት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን
ኣብ መንጐ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናብ ወተሃደራዊ ግጭት ከይዓርግ ኣብቲ ዞባ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ። ጠንቂ ምትፍናን ክልቲአን ሃገራት ንምግላጽ ሓያሎ ረቛሒታት ክጥቀስ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ብቐንዱ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምርካብን ምውናንን 'ልኡላዊ' መሰል ከምዘለዋ ምግላጻ ዘጓሃሃሮ'ዩ ዝመስል። ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብቐጻሊ ተሪር ዳርባ ቃላት ክለዋወጡ ጸኒሖም'ዮም። ...
ብምስላታት ትግርኛ ዝተሰነየ መጠንቀቕታ ኣብይ ኣሕመድ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ መራሕቲ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ኣብታ ሃገር ዳግም ዉግእ ንክለዓል ምንቅስቓስ ይገብሩ ኣለው ክብል ከሲሱ። "ጥሩፍ ጸረ-ለውጢ፡" ብምባል ዝወረፎም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ናይ ፖለቲካን ልምዓትን ለውጢ ከይመጽእ ዓንቃፊ ተራ ይዋስኡ ኣለዉ ብምባል ክነቕፎም እንከሎ፡ "ምስ ጨና ልምዓት ዘይፈልጡ ግዳማዊ ሓይልታት ወዘልዘል ይብሉ ኣለዉ፡" ብምባል'ውን ወቒሱ።
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ 'ዘልኣለማውዊ' ን 'ኣካል ልዑላውነትን' ምዃኑ ተዛሪቡ
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታየ ኣስቀ ስላሴ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ "ዘልኣለማው"ን ካብ ጉዳይ ልዑላውነት ዘይፍለን ምዃኑ ገሊጹ። ታየ ኣስቀ ስላሴ ነዚ ዝገለጸ፡ መበል 130 ዓመት ዓወት ዓድዋ ንምብዓል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት እዩ። እቲ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዕዱማት ወጻእን ዝተሳተፍዎ ጽምብል፡ ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ብቐጥታ ተፈንዩ።
ኣምባሳደር ቲቦር ናጂን ኤርትራን እንታይ እዩ ኣራኺቡዎም?
ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ መንግስታዊ ጽፍሒ ኣመሪካ ዝሰርሐ ቲቦር ናጂ ብ20 ለካቲት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሉቦክ ኣቫላንጅ ጆርናል ብስሙ ንዝወጽአ ዓንቀጽ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሺንግተን መልሲ ሂብሉ። እቲ ኤምባሲ ሓሙስ 26 ለካቲት፡ "ቲቦር ናጂ፡ ወትሩ ኣንጻር ኤርትራ ዝሰርሕ ፖለቲከኛ፡" ብዝብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ዘውጽኦ ኣብ ዘውጽኦ ጽሕፉ...


























