UK threatens to ban Eritreans over migrant return policy
Home Secretary Shabana Mahmood has threatened to ban all Eritreans from entering the UK if the east African country's government does not accept more returns of small boat migrants and foreign...
Latest releases
ኤርትራ፡ 'እዉጅ ባጀት ዘይብልካ ብዕዳ ኣመሪካ ምዝራብ ቅኑዕ ኣይኰነን' - ኣምባሳደር ዓንደብርሃን
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ጽንብል መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዘስምዖ መደረ ኣዛራቢ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብቲ ዕለት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንዓለማዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ምስ ኣመሪካ ኣተሓሒዙ ዝበዝሕ ክፋል መደረኡ ኣቕሪብዎ። ካብቲ ትራምፕ ዳግማይ ናብ ስልጣን ዝመጽኣሉ ዘልዓሎ 'ኣመሪካ ደጊምካ ዓባይ ምግባር' ዝብል ጭርሖ ማጋ ኣትሒዙ ክሳብ'ቲ ኣብዚ እዋን ዓለማዊ ቅልውላው ፈጢሩ ዘሎ ኲናት ኢራን ዘርዚሩ። ኣብዚ ኤርትራን ኣመሪካን ዝምድናአን ከመሓይሻ ምዕባለታት ዝረኣየሉ ዘሎን፡ ተስፋን ትጽቢትን ህዝቢ ኤርትራ ክብ...
ትራምፕን ንጉስ ቻርለስን ናብ ኤርትራ ዝሰደድዎ መልእኽቲ እንታይ ይብል?
ኣብዚ ቀረባ እዋናት ገጹ "ናብ ኤርትራን ቀይሕባሕሪን መሊሱ" ዝበሃለሉ ዘሎ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብምኽንያት መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ንህዝብን መንግስትን እታ ሃገር ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽቲ ሰዲዱ ክብል ሻባይት ኣፍሊጡ። እቲ ፕረዚደንት ኣብ መልእኽቱ፡ "ንሓያል መንፈስ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን እቲ ህዝቢ ንሃገራዊ ልዑላውነቱ ዘለዎ ተወፋይነት ከም ዘኽብርን ከም ዘድንቕን" ገሊጹ - ይብል እቲ ኣብ ሻባይት - መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ...
ኤርትራ ኣብ መበል 35 ዓመት ናጽነት፡ ታሪኽ ምስሳን ህዝብን ፈተና ስደትን
ኤርትራ ንመበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነታ (24 ግንቦት) ንምብዓል ኣብ ምድላው ትርከብ። መንግስቲ ኤርትራ፡ እታ ሃገር ንተኸታተልቲ ዓሰርተታት ዓመታት ንዝተጻዕነላ ተጻብኦ ናይ ግዳም ሓይልታትን እገዳታትን ብምምካት፡ ኣብ መትከል "ርእሰ-ምርኰሳ" ዝተመሰረተ ቍጠባውን ማሕበራውን ልምዓት ንምርግጋጽ ትሰርሕ ከም ዘላ እዩ ብተደጋጋሚ ዝገልጽ። እዚ መግለጺታት ምስቲ ዓለምለኻውያን ትካላት ከም ባንኪ ዓለም፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ከምኡ'ውን ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዘውጽኡዎ ታሪኻውን...
ኢትዮጵያ፡ ግብጺ 'ኣፍደገ ባሕሪ ንናይ ምርካብ ጻዕረይ ትዕንቅፋ ኣላ' ክትብል ከሲሳ
ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ምስ ኤርትራ ስምምዕ መጓዓዝያ ባሕሪ ድሕሪ ምኽታማ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ቀጥታዊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ሰላም ንምትዕንቓፍን ንምዝራግን ትንቀሳቐስ ኣላ ክትብል ከሲሳ። ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ብሓሙስ 21 ግንቦት 2026 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ካብ ካይሮ ዝመጽአ "ዘይሃናጺ ውዲት" ነቲ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዋ ድሌት ንምዕንቃፍን ኣቓልቦ ንምስራቕን ዝዓለመ ምዃኑ...
























