What Eritrean Muslims Fail to Understand About Eritrean Christians — Part 1
Before speaking about “Eritrean Christians,” perhaps we must first ask a more uncomfortable question: who exactly are Eritrean Christians? Are we speaking about the Orthodox? The Catholics? The...
Latest releases
ንኤርትራ ክጸሉ ዝኽእል ሓድሽ መደብ ቪዛ ኣመሪካ እንታይ እዩ?
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ነቲ በጻሕቲ ልዕሊ ዝተወሰነሎም ግዜ ኣብታ ሃገር ዝጸንሕሉ ኵነታት ንምቅላስ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ሓድሽ ፈተነኣዊ መደብ መስርሕ ቪዛ ከተኣታቱ ምዃኑ ተፈሊጡ። እዚ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዝጅምር ፈተነኣዊ መደብ፡ ንዝተወሰኑ ቪዛታት በጻሕትን ንግድን ክሳብ 15,000 ዶላር ቦንድ ክሓትት ከም ዝኽእል ሰኑይ 4 ነሓሰ ንዝወጽአ መንግስታዊ መግለጺ ጠቒሱ ሮይተርስ ሓቢሩ። እዚ መደብ፡ ኣብተን ዜጋታተን ልዕሊ ዝተፈቕደሎም ግዜ ኣንዊሖም ብምጽናሕ ብፍሉይ ዝተመዝገባ ሃገራት ከተግብራ -...
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘየቋረጸ መጥቃዕቲን ስግኣትን
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰሜን ጎንደር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተደጋጋሚ ቅትለት፡ ጭውያን ዘረፋን ከም ዝካየድ ብዙሓት መሰኻኽር ዓይኒን ስደተኛታትን 'ደም ኤርትራውያን ስደተኛታት ይዛሪ ኣሎ' ብምባል ብተደጋጋሚ ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም። ሕጅ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣደ ሸሞንተ ቈልዑ ጉዒዳ ተኽለ መሓሪ በቲ "ኣብ መንጎ ዕጡቓት" ምንባሩ ዝገለጸቶ ምልውዋጥ ተዅሲ ኣብ ኣፍደገ'ቲ መዓሰከር ተሃሪማ ሃለዋታ ስሒታ። ጉዒዳ እቲ ወርሓዊ ዝወሃባ መሻርፍ ስርናይ ድንጕዩ ብምምጽኡ ኣብ ቤታ ዝብላዕ...
ኤርትራዊ ጀነራል ወልደስላሰ - እቲ ጸሊም ጀነራል
ጀነራል ወልደስላሰ ኢልና'ዶ ክንጽውዖ ወይስ ጀነራል ዶመኒኮ ሞንደሊ? ነፍስሄር ፕሮፌሰር ማውሮ ቫለሪ ክኢላ ስነማሕበረሰብ፡ ስነኣእምሮኣዊ ፍወሳን ጸሓፍን እዩ ነይሩ። ንኣበርክቶ ጸለምቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኢጣልያ ተገዲሱ ዘጽንዐ ሰብ ብምንባሩ፡ ብዛዕባ ሓደ ኤርትራዊ ዝመበቈሉ ሰብ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢጣልያ ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ፡ ብመዓርግ ድማ ለተና ጀነራል ዝበጽሐ፡ 277 ዝገጹ መጽሓፍ ብቛንቋ ጣልያን ኣበርኪቱ'ዩ ሓሊፉ። እቲ መጽሓፍ ኣርእስቱ ''እቲ ጸሊም ጀነራል' - ዶመኒኮ ሞንደሊ - ዕጡቕ /...
'ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ መራሒ ኤርትራ መልእኽቲ ጽሒፉ'
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ኤርትራዊ መዘናኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ደብዳበ ከምዝሰደደ ተገሊጹ። እቲ ብ30 ሓምለ 2025 ዝተላእከ መልእኽቲ ትራምፕ፡ ዋሽንግተን ምስ ኣስመራ "ምክብባር ዘለዎ ሃናጺ ዝምድና ዳግማይ ክምስርታ ምምሕዳሩ ቅሩብ ምዃኑ" ገሊጹ ይብል ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል። "እቲ ኣብ ቅንዕናን ምክብባርን ዝተመስረተ [ዝምድና] ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ዘሎ ናይ ሰላምን ብልጽግናን ዕድላት ዘመሓይሽ'ዩ" ከምዝበለ'ውን እቲ ኤርትራዊ ብዓልስልጣን ጠቒሱ።


























