'ቀይሕ ባሕሪ ንኹለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ' - ፕረዚደንት ኢሳይያስ
ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኾነ ማያዊ ክፍሊ ዓለም ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ስለዝኾነ ጸጥታዊ ውሕስነቱ ክረጋገጽ ከምዘለዎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ። ምስ ኤሪ-ቲቪ ኣብ ዘካየዶ ንዝተፈላለየ ጉዳያት ዝተንከፈ ቃለመሕትት፡ ስትራተጂያዊ ንግዳዊ መስመር'ኳ እንተኾነ ቅድም ቀዳድም ሃገራት እቲ ዞባ ገማግም ባሕረን ከውሕሳ ኣለወን ኢሉ። እቲ ምስ መራሒ ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ ንምዝርራብ ኣብ ካይሮ ዝቐነየ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ወሽመጥ...
Latest releases
እስራኤል፣ ኣብ መንጎ ክልተ ጉጅለታት ኤርትራውያን ብዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን ሓደተቐቲሉ ካልእ ድማ ብኸቢድ ቆሲሉ
ኣብ እስራኤል፣ ደቡባዊ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ኣብ መንጎ ክልት ጉጅለታት ኤርትራውያን ኣብ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን፣ ሓደ ክቕተል እንከሎ ሓደ ድማ ብከቢድ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ከምዘሎ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
እስራኤል፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ብዝተላዕለ ባእሲ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ካልእ ብኸቢድ ቆሲሉ
ትማሊ ምሸት ኣብ ደቡባዊ ተልኣቪቭ ኣብ መንጐ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ ተባሂሎም ዝጽውዑ ጕጅለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተፈጥረ ባእሲ፡ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ ካልእ ድማ ብኸቢድ ቆሲሉ ከምዘሎ ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ኤርትራ፣ ኣብ ኦሎምፒስክ ፓሪስ 2024፣ ብ14 ስፖርተኛታት ክትውከል’ያ
ኤርትራ ኣብ‘ቲ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝሰላሰል መበል 33 ውድድር ጸወታታት ኦሎምፒክስ፡ ኣብ ዓውዲ ኣትለቲክስ፡ ብ10 ብስፖርታውያን ክትካፈል ምዃና ካብ መርበብ ሓበሬታ World Atheltics ዝተረኸበ ዝርዝር መረድኢታት ኣረጋጊጹ።
መዓስከር ኣለምዋጭ፣ ናብ ቀዳም ኣብ ዝውግሐ ለይቲ፣ ሓደ ቀሺ ዝርከቦም፡ ሸውዓተ ኤርትራውያን ብዕጡቓት ብሳንጃ ተወጊኦም
ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ዞባ ጎንደር፡ ከባቢ ዳባት ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ፣ ናብ ቀዳም 06 ሓምለ 2024 ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ሓደ ቀሺ ዝርከቦም፡ ሸውዓተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዕጡቓት፣ ብሳንጃ ተወጊኦም።


























