ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ንጠለብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ ዝሃቡዎ ግብረመልሲ
ሓይሊ ዕማም ቀይሕ ባሕሪ ዝተሰምየ ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ምርካብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዘቕረበቶ ጠለብ፡ "ብታሪኽ ዘይቅኑዕን ብሕጊ ዘይምኽነን፡" ብምባል ብትሪ ነጺጉዎ። እዚ ዝወጽአ ሓድሽ መጽናዕታዊ ሓተታ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብ13 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ቅድሚ ባይቶ ሃገሩ ቀሪቡ፡ ቀይሕ ባሕሪ "ተፈጥሮኣዊ ዶብ ኢትዮጵያ" ምዃኑን 'ዋንነት' ባሕሪ "ጉዳይ ህላወ" ምዃኑን ድሕሪ ምግላጹ ምዃኑ...
Latest releases
ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ
ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ብሰንበት 21 ሚያዝያ ኣብ ኦስትርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ከተማ ቪን ቀዳመይቲ ኮይና ብምውጻእ ረዚን ዓወት ኣመዝጊባ።
ኤርትራ፡ ኣቦ መንበር ተሓኤ ነበር ኣሕመድ ናስር መን’ዩ?
ኣሕመድ ናስር ሓደ ካብቶም ንጐበጣ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝተቓለሱ ኤርትራውያን መንእሰያት 60’ታት እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንጉስ ሃይለስላሰ ንፈደራላዊ ውዕል ኣፍሪሱ፡ ባንዴራ ኤርትራ ኣውሪዱ፡ ንቝጠባዊ ዓቕሚ ኤርትራ ኣልሚሱ፡ መበል 14 ክፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ምዃና ኣዊጁ።
ስድራ ናይቶም ኣብ ሱዳን ከም ምሩኻት ዝተተሓዙ ኤርትራውያን እንታይ ይብሉ?
ልዕሊ 50 ዝዀኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ብሓይልታት ሱዳን ከም ምሩኻት ተታሒዞም ከም ዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።እቲ ሓበሬታ ክፍለጥ ዝኸኣለ ሓያለ መንእሰያት ካብ መኪና ጽዕነት እናወረዱ ክቕጥቀጡን ክጋፍዑን እንከለዉ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ።
ኤርትራ፣ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም
መንግስቲ ኤርትራ ብዓርቢ 12 ሚያዝያ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝፈትሐ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።