ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ክኣትዉ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ሓቢሮም
ኣብ እዋን ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ዳግማይ ውግእ፡ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ብምእታው ክግስግሱ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ከተማ ዓዲ-ግራት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝበልዎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝለብሶ "ቆጽለዋይ ሬንጀርን ሓመዳዊ ሬንጀርን" ዝተኸደኑ ወተሃደራት ኣብ ዓበይቲ መካይን ተጻዒኖም ንውሽጢ ክሓልፉ...
Latest releases
ኤርትራዊ ወደብ ቴድሮስ ካብ ሳሕል ክሳብ ባይቶ ጀርመን
ተስፋ ንመሰል' ብምባል ኣብቲ ማንም ማሕበረሰብ ዝምነዮ ናይ ምምራጽን ምድማጽን ባይታ ደሞክራሲ ኢዱ ክሕውስ ሓሊኑ። ንመሰል ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ኣብ ዝጸሉ ውሳነታት እጃሙ ንምብርካት ድማ ኣብ ባይቶ መረጻ ጀርመን 2025 ክወዳደር ወሲኑ። ወደብ ቴድሮስ እዩ ዝበሃል። ናጽነት ንምምጻእ ካብ ዝወፈሩ ክልተ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ እዩ ኣብ ሳሕል ተወሊዱ። ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤርትራ ድማ ዓብዩ። ጸኒሑ ግን እቲ ንብዙሓት መንእሰያት ኤርትራ ዝጸለወ ስደት ኣርኪብሉስ ንሱ'ውን ነታ ወለዱ ንዝሓሸ ጽባሕ ብምባል ክሳዕ ሞት ክውፈዩ ዝተቓለሱላ ሃገር ራሕሪሑ ወጺኡ። ...
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገርነት ፍልስጤም ዘለዎ መርገጺ እንታይ'ዩ?
ኣብዚ ቅንያት ዝካየድ ዘሎ መጋባእያ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብጉዳይ ፍልስጤም ተዓብሊሉ ይርከብ። ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን ንሃገርነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃበን ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ክስዕባ ትጽቢት ይግበር። ዛጊት 150 ሃገራት ዓለም ንሃገረ ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ሂበን ኣለዋ። ካብ 1980ታት ኣትሒዙ፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ መራሒ ፍልስጤም ያሲር ዓራፋት ኣብ ኣልጀርስ ናጽነት ምስ ኣወጀ፡ ንፍልስጤም ኣፍልጦ ሃገርነት ሂበን እየን። ከም ቶማስ ሳንካራን ኔልሰን ማንዴላን ዝበሉ መራሕቲ ናጽነት ኣፍሪቃ፡ ቃልሶም ምስ ቃልሲ ፍልስጤም ማዕረ እዮም ዝርእዩዎ ነይሮም።
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ኣብ ፈለማ 2000 'ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ ዝነበሩ ኣባላት ባይቶ ምኒስተራት፡ ጀነራላትን ኣመሓደርቲን ዲፕሎማሰኛትን ስሩዕ ኣኼባታትን ጉባኤን እቲ ውድብ ክካየድ ብምጽውዖም ዝበዝሑ ካብኦም ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማሕዩር ተሰዊሮም ሃለዋቶም ኣይፍለጥን። እቲ ምሉእ ስሙ 'ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን' ዝኾነ ውድብ እቲ እንኮ ገዛኢ ሰልፊ ኣብ ኤርትራ'ዩ። ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን...
ንሃገራዊ ሓድነትን ምክልኻል ልኡላውነትን- ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝወጸ ኣዋጅ
መቕድምንሕና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምስ-ካብ ነፍሲ ወከፍ ዞባን፡ ሕብረተሰብን፡ ፖለቲካዊድሕረ ባይታን ዝመጻና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ እንነብር ህዝቢ ኩልና- ኣብምክልኻል ናጽነት ሃገርናን፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን፡ ልኡላዊ መሰላትን ብሓደ ደው ኢልና ኣለና።እዚ መግለጺ‘ዚ ኣህጉራዊ ሕጊ ንምርግጋጽን፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ናጽነትን...

























