A New Generation of Eritreans Enters Indefinite Service
Eritrean President Isaias Afwerki and other senior government officials presided over the 38th graduation ceremony of secondary school students from the Sawa military training center on July 11. Though...
Latest releases
ፋይላት ኤፒስተይን፡ ብዛዕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ ይብሉ?
እቶም ብ"ፋይላት ኤፒስተይን" ዝፍለጡ ብዙሕ ምስጢራት ዝሓዙ ምዃኖም ዝእመነሎም ሰነዳት ዝሓለፈ ዓርቢ ብትእዛዝ ቤትፍርዲ ኣመሪካ ገለ ክፋሎም ድሕሪ ምዝርግሖም፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ርሱን ክትዓት ፈጢሮም ኣለዉ። እቶም ሓደስቲ ዝተዘርግሑ መዛግብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኢትዮጵያንን እውን ሰፊሕ ዘተ ብምፍጣር፡ እቶም ፋይላት ብጭቡጥ እንታይ ከም ዘቃልዑ ሕቶታት ኣልዒሎም ይርከቡ። እቲ መወዳእታኡ ብጾታዊ ገበናትን ምስግጋር ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ንጾታዊ ስርሓትን ብዝብሉ ገበናት ተኸሲሱ ብ6 ሓምለ 2019 ኣብ...
ጀርመን፡ ዝኽሪ ክልተ ግዳያት ዘስካሕክሕ ቅትለት ዝዀኑ ኤርትራውያን
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጀርመን ዝተፈጸመ ክልተ ቅትለታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንብዙሓት ዘሰንበደ ዘሕዝን ፍጻመ ኰይኑ ይርከብ። እታ ሓንቲ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተቐትለት ኣደ ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ወዲ 14 ኮተቴ ህይወቱ ሓሊፉ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ክልተ ዝተፈላለየ ናይ ዝኽሪ ስነስርዓት እቶም ግዳያት ተኻይዶም ነይሮም።ምስጢራት ናይቲ ገበናት ዛጊት'ኳ ብንጹር እንተዘይተረጋገጸ፡ መርመርቲ ብዛዕባ'ቲ ቅትለታት ዝበጽሕዎ ደረጃ ክገልጹ ጀሚሮም ከም ዘለዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይሕብሩ ኣለዉ።
'ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር' - ሓጺር ገምጋም መጽሓፍ
ኣብ ጥሪ 2026 ናብ ኣንበብቲ ዝተዘርግሐት "ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር" እትብል መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን፡ ኣብ ኤርትራ ንዝመጽእ ለውጢ ኣብ ደሞክራሲያዊ ስግግር ከም መወከሲት ሰነድ ክትውሰድ እትኽእል ስራሕ'ያ። ሰመረ ሰሎሞን ኣብ 2024'ውን "ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነትን ዝተጠልመ መብጽዓን" እትብል መጽሓፍ (ብእንግሊዘኛን ትግርኛን) ናብ ኣንበብቲ ዘርጊሑ ምስ ምንባሩ፡ እዚኣ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ኣርእስቲ ኣተኵሮን ግን ከኣ ካብታ ዝቐደመት ብዛዕባን ቀንዲ ቴማታትን ዝተሳገረት መጽሓፍ'ያ።
ዑደት መራሕቲ ጅቡትን ሶማልያን ናብ ኢትዮጵያ እንታይ ዝዓለመ እዩ?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንፕረዚደንት ጁቡቲ ዑመር ገለ ከምኡ'ውን ንፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ ክልል ሶማል ከተማ ጅግጅጋ ከም ዝተቐበሎም መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጸን። እዚ ርክብ ናይ ሰለስተኦም መራሕቲ፡ "ንዞባዊ ምትሕብባር፡ ሓባራዊ ስኒትን ተወፋይነትን ዘጕልሕ ሓያል ምልክት ምትሕግጋዝ፡" ምዃኑ...


























