ኤርትራ፡ 'ግዓት' ኣብ ዝርዝር ባህላዊ ቅርሲ ዓለም ንምምዝጋብ ትዳሎ
ኤርትራ፡ ነቲ ብወለዶታት ክሰጋገር ዝጸንሐ ዘይጭበጥ ባህላዊ ቅርስታታ ንምዕቃብን ኣብ ዓለምለኻዊ መዝገብ ንምስፋርን ዘኽእል ሃገራዊ ዓቕማ ንምዕባይ ትሰርሕ ከም ዘላ መርበብ ሓበሬታ ትካል ትምህርቲ፡ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ሓቢሩ። ብመሰረት ጸብጻብ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ ምድላው "ግዓት"...
Latest releases
ብምስላታት ትግርኛ ዝተሰነየ መጠንቀቕታ ኣብይ ኣሕመድ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ መራሕቲ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ኣብታ ሃገር ዳግም ዉግእ ንክለዓል ምንቅስቓስ ይገብሩ ኣለው ክብል ከሲሱ። "ጥሩፍ ጸረ-ለውጢ፡" ብምባል ዝወረፎም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ናይ ፖለቲካን ልምዓትን ለውጢ ከይመጽእ ዓንቃፊ ተራ ይዋስኡ ኣለዉ ብምባል ክነቕፎም እንከሎ፡ "ምስ ጨና ልምዓት ዘይፈልጡ ግዳማዊ ሓይልታት ወዘልዘል ይብሉ ኣለዉ፡" ብምባል'ውን ወቒሱ።
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ 'ዘልኣለማውዊ' ን 'ኣካል ልዑላውነትን' ምዃኑ ተዛሪቡ
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታየ ኣስቀ ስላሴ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ "ዘልኣለማው"ን ካብ ጉዳይ ልዑላውነት ዘይፍለን ምዃኑ ገሊጹ። ታየ ኣስቀ ስላሴ ነዚ ዝገለጸ፡ መበል 130 ዓመት ዓወት ዓድዋ ንምብዓል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት እዩ። እቲ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዕዱማት ወጻእን ዝተሳተፍዎ ጽምብል፡ ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ብቐጥታ ተፈንዩ።
ኣምባሳደር ቲቦር ናጂን ኤርትራን እንታይ እዩ ኣራኺቡዎም?
ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ መንግስታዊ ጽፍሒ ኣመሪካ ዝሰርሐ ቲቦር ናጂ ብ20 ለካቲት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሉቦክ ኣቫላንጅ ጆርናል ብስሙ ንዝወጽአ ዓንቀጽ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሺንግተን መልሲ ሂብሉ። እቲ ኤምባሲ ሓሙስ 26 ለካቲት፡ "ቲቦር ናጂ፡ ወትሩ ኣንጻር ኤርትራ ዝሰርሕ ፖለቲከኛ፡" ብዝብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ዘውጽኦ ኣብ ዘውጽኦ ጽሕፉ...
ንኤርትራውያን ገያሾ ዓቢ ጸገም ኮይኑ ዘሎ በረራታት ኣየር
ኣብዚ ዘለናዮ ዘበን፡ መጓዓዝያ ኣየር ብሰንኪ ቍጠባዊ ውድድር ካብቲ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበሮ ክብሪ ዋጋን ሕልኽላኽን ተናጊፉ፡ ቀንዲ መለለዪ ዓለምለኻዊ ምትእስሳር ኰይኑ ኣሎ። ይዅን እምበር፡ እታ 35 ዓመት ናጽነታ ንምጽንባል ሒደት ኣዋርሕ ተሪፉዋ ዘሎ ኤርትራ ግን፡ ካብዚ ዓለምለኻዊ ናይ ዕብየት ምዕባለ ተነጺላ፡ ኣብ ዘሰክፍ ናይ መጓዓዝያ ድሕረት...


























