ኤርትራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ክቕጽልን ተሓታትነት ክሰፍንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጸዊዐን
ኣብ መበል 62 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ስልጣኑ ክሕደስን ጉዳይ ተሓታትነት ክቕጽልንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጻውዒት ኣቕሪበን። እዚ ብ31 ዘይመንግስታውያን ኣህጉራውያን ማሕበራት ብ12 ግንቦት 2026 ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ናብቶም ኣብ ጀነቫ ዝርከቡ ቀወምቲ ወከልቲ...
Latest releases
ቅልውላው ነዳዲ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብአን ሃገራት ዝወስድኦ ዘለዋ ስጕምታት
ሓባራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ስዒቡ፡ ኢራን ዝወሰደቶ ብግዜን ቦታን ሰፊሕ ግብረመልሲ ዓለማዊ ቍጠባዊ ቅልውላው ኣስዒቡ'ሎ። ብፍላይ እቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣገደስቲ መስመራት ነዳዲን ጋዝን ዓለም ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ድሕሪ ምዕጻዋ ቀረብ ጸዓት ብደረጃ ዓለም ኣብ ሓደጋ ወዲቝ ይርከብ። ቀጥታዊ ተጠቀምቲ እዚ ብኢራን ተሓኒቝ ዘሎ መስመር ዝዀና ሃገራት ኤስያ ብፍላይ፡ ነቲ ዘጋጠመን ቅልውላዋት ንምግጣም ዝተፈላለየ ስጕምትታ ይወስዳ ኣለዋ። ...
ሞሮኮ፡ ዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኣገዳስነቱን
እታ 'ኣግማል ቀይሕባሕሪ' ተባሂላ እትጽዋዕ፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ብኵራት ናብ ጸወታ ዝተመለሰት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ትማሊ ምስ ኢስዋቲኒ ኣብ ዘካየደቶ ቀዳማይ እግሪ ግጥም ቅድመ መጻረዩ፡ ክልተ ብ ዜሮ ተዓዊታ።,ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ዓብለሎም ተኽለዝጊ (ኣምበስ) ኣብ መበል 81 ደቂቕ፡ እቲ ኣቐዲሙ ፍጹም ቅላዕ ዝሰሓተ ዓሊ ሱሌማን ከኣ ኣብ መበል 90+4 ደቂቕ ብዘመዝገብወን ሸቶታት'ያ ነቲ ዓወት ንደገፍታ ኣበሲራ። ...
ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ዓመታት ብኩራት ትምለሶ ዘላ ጸወታ
ኤርትራ ቅድመ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027 ንምክያድ ኣንጻር ኢስዋቲኒ ንዝተሰርዓላ ጸወታ ንምክያድ ድሕሪ ናይ ኣስታት ሽዱሽተ ዓመታት ብኵራት ስሩዕ ኣህጉራዊ ውድድር ንምክያድ ናብ ሞሮኮ ኣምሪሓ ኣላ። እዛ ሃገራዊት ጋንታ ብሓድሽ ግብጻዊ ኣሰልጣኒ ኮሃ ሓሺም ያኪን ተመሪሓ ናብ ሞሮኮ ከም ዝኣተወን ኣባል ህዝባዊ ርከባት ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ኣቶ ድራር ፍስሃየ ብ21 መጋቢት ንማዕከናት ዜና ኤርትራ ከም ዝሓበረ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ይሕብር። ...
'እቲ ስንክልና ዘለዎ ወድና፡ ካብ ጸባብ ክፍሊ ንላዕሊ'ዩ ዘድልዮ'
ንትሸተዓ ኣዋርሕ፡ ኣካላዊ ስንክልና ምስ ዘለዎ ውላዶም ኣብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ ክነብሩ ዝጸንሑ ስድራቤት፡ ዝያዳ ምቹእ መንበሪ ንምርካብ ተስፋ ከም ዝቘረጹ ይረዛቡ።ሚልዮን ቦጋለ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘጋጥሞ ግፍዒ ሃዲሙ ናብ ብሪጣንያ ድሕሪ ምምጽኡ፡ ብ2024 ዕቝባ ረኺቡ። ኣብ ሰነ ድማ ናብ ስድራቤቱ ተጸምቢሩ። ኣብ በርሚንግሃም ምስ ቈልዑ ሓሙሽተን ሸውዓተን ዓመት ደቈም ድማ ኣብ ግዝያዊ መንበሪ ይርከቡ፣ እቲ በዅሪ ውላዶም ድማ ሴረብራል ፓልሲ ዘለዎ፡ ዘይረዛብን ዘይንቀሳቐስን ቈልዓ እዩ። ...

























