ፓርላማ እስራኤል 'ንስርዓት ሃገሮም' ዝድግፉ ስደተኛታት ንምስጓግ ዘቕረቦ እማመ
ፓርላማ እስራኤል ንሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል ሓድሽ እማመ ኣቕሪቡ። እቲ 'ክነሰት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፓርላማ ኣበጊስዎ ዘሎ ሓሳብ ነቶም "ንስርዓት ሃገሮም" ዝድግፉ ሓተትቲ ዑቕባ ንምጥራዝ ዝዓለመ'ዩ። እቲ ብኣባል የማናዊ ሰልፊ ዪስራኤል ቤትኑ ዝኾነት ዩሊያ ማሊኖቭስክን ካልኦት ኣባላት ባይቶን ዝቐረበ እማመ ሕጊ ምሉእ ተቐባልነት ረኺቡ'ሎ። "ኣብቲ ዝተኻየደ መስርሕ ድምጺ፡ 51 ኣባላት ክነሰት ነቲ ሕጊ ብዘይ ዝኾነ ተቓውሞን ተዓቅቦን ደጊፎሞ ኣለዉ" ይብል...
Latest releases
ኣስመራ፡ ጸጥታዊ ልዝብ መራሕቲ ኤርትራን ሶማልያን
መራሕቲ ኤርትራን ሶማልያን ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጸጥታዊ ምትሕግጋዝ ተዘራሪቦም።
ርእሰ-ቅትለት ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ መጠንቀቕታ ኩነታት መንእሰያት ስደተኛታት'ዩ- ዳዕሮ
ፖሊስ ዓዲ-እንግሊዝ ምስ ሞት ኤርትራዊ መንእሰይ ሓታቲ ዑቕባ ብዝተሓሓዝ ዝኸሶ ሰብ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ። ሄኖክ ዛይድ ገብረስላሰ፡ ኣብ 2021 ኣብቲ ተዓቚብሉ ዝነበረ ኣብ ከተማ ኮቨንትሪ ዝርከብ 'ካሉዶን ማእከል'ዩ ሞይቱ ተረኺቡ። ዳዕሮ ዝተባህለ ንመንእሰያት ስደተኛታት ዝሕግዝ ማሕበር ከምዝበሎ፡ ሞት ናይቲ መንእሰይ መርኣያ ናይቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ...
ክልተ ኤርትራውያን ኣብ መስመር ኬንያ-ዩጋንዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ሞይቶም
ቀዳም 16 መጋቢት ምሸት፡ ካብ ኬንያ ናብ ዩጋንዳ ኣብ ዝወስድ መስመር ብዘጋጠመ ሓደጋ ክልተ ኤርትራውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓያሎ ካልኦት ድማ ኣብ ሆስፒታል ከተማ ናኩሩ ተዓቚቦም ከምዘለዉ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ድራር ፍጊዕ ክሳብ ዝብለና በሊዕና ንምንታይ ኢና ንግሆ ኣዚና ንጠሚ?
ገለ ሰባት ድራር ኣዝዩ ልዕሊ ዓቐን ኢልካ ክግለጽ ክሳዕ ዝከኣል በሊዖም ክንሶም ንገሆ ብብርቱዕ ጥሜት ከምዝበራበሩ ይዛረቡ።