ንህዝቢ ዘፍቀረን ብህዝቢ ዝተፈቕረን ድምጻዊ
"ተመስገን ገብረስላሰ መን እዩ?" ኢልካ ንሓደ ሰብ እንተ ሓቲትካዮ፡ ቀልጢፉ ምላሽ ከይህበካ ይኽእል እዩ። መጸውዒ ስሙ ቀይርካ "ተመስገን ጣኒቆኸ?" ምስ እትብሎ ግን፡ ካብ ብዙሓት ኤርትራውያንን ክንዮኡን ብዛዕባኡ ዘይነጽፍ ዛንታ ድፍንቕ ሕሉፍ እዋን ንእስነት፡ ጦብላሕታ ናፍቖትን ክትሰምዕ ግድን እዩ። ኣብ ፈለማ 2000ታት፡ ንብዙሓት...
Latest releases
'ቀይሕ ባሕሪ ንኹለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ' - ፕረዚደንት ኢሳይያስ
ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኾነ ማያዊ ክፍሊ ዓለም ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ስለዝኾነ ጸጥታዊ ውሕስነቱ ክረጋገጽ ከምዘለዎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ። ምስ ኤሪ-ቲቪ ኣብ ዘካየዶ ንዝተፈላለየ ጉዳያት ዝተንከፈ ቃለመሕትት፡ ስትራተጂያዊ ንግዳዊ መስመር'ኳ እንተኾነ ቅድም ቀዳድም ሃገራት እቲ ዞባ ገማግም ባሕረን ከውሕሳ ኣለወን ኢሉ። እቲ ምስ መራሒ ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ ንምዝርራብ ኣብ ካይሮ ዝቐነየ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ወሽመጥ ዓደን ንዘሎ ወተሃደራዊ ምትእትታው ሃገራት ዓለም ከምዘይቅበሎ'ውን ደጊሙ...
ግብጺ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምርግጋእ ንምንጋስ ኵሉ ዓቕምታታ ከም እተዋፍር ገሊጻ
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ኒውስ24 ኣብ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ግብጺ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ተፋሰስ ናይልን ዘለዋ ስትራተጅያዊ ረብሓታት ንምሕላውን ዞባዊ ስግኣታት ንምምካትን ዲፕሎማስያውን ወተሃደራዊ ጽምዶኣ ተስፋሕ፡" ከም ዘላ ገሊጹ። ኣብዚ "ኣብ ዘይርጉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሳኒ ስትራተጅያዊ ተራኻ ዳግማይ ምግላጽ፡" ብዝብል ኣብ ዝጸሓፎ ዓንቀጽ፡ ግብጺ ኣብዚ ዞባ ዘለዋ "ታሪኻዊ ግደ" ዳግም ከም እተረጋግጾ ሓቢሩ። ...
ብውዲት ህዝባዊት ውድብ ተሐኤ ምስ ተበታተነት ካብ ቃልሲ ግን ኣየዕረፈትን
ህዝባዊት ውድብ ተሐኤ (ብውዲት ግምባርን ወያነን)ምስ ተበታተነት፣ሐቂ እዩ ተቃለስቲ ተ፣ሐ፣ኤ፣ኣብ ባይታን ኣብ ድያስፖራን፣ክሳብ ነጻነት ክንቃለስ ጸኒሕና፣ድሕሪ ሕጂ ናይ ውድባት ሐሸውየ የለን ምባሉ ድማ ጸረ ኢሰያስን ጉጅሉኡን ክንቃለስ ኣለና፣ጽምዶ ምስ ቶም ፈተውትና ተመሲሎም፣ቆላን ከበሳን እንዳበሉ ክፈላልዩና ለይትን ማዓልትን ዘይደቀሱ፣ጽምዶ ምስ ቶም፣ኣንጊሆም ንባሕርና ዝተመነዩ ህወሐት፣ጽምዶ ክልተ ጎራሐት ኣለዋ ብልሐት። ንሐርበኛ እንቢ ንመግዛእቲ ኢሉ ቃልሲ ዝጀመረ ንጅግና ሐምድ እድሪስ ዓዋተ ሽፍታ ኢሉ ዝመሃረ
ግብጺ፡ 'ኢትዮጵያ ክሳዕ ምጽኣተ-ዓለም ወደብ ኣልቦ ኰይና ክትጸንሕ እያ'
ምንጪ ስእሊ,Getty Images መግለጺ ስእሊ,ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ 3 ሕዳር 2025, 10:30 EAT ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ምስ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ስዑዲ ዓረብ `ኣል ዓረብያ` ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ምምሕዳር ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ኣብቲ ገማግም ዝርከባ ሃገራት ጉዳይ ምዃኑ ብሓይለ-ቓል ተዛሪቡ። ...
























