መንግስቲ ፖላንድ: በይና ንዝሓረሰት ኤርትራዊት ስደተኛ 'ካብ ዶብ ኣይመለስክዋን' ኢሉ

ደለይቲ ፍትሒ፡ እታ ኤርትራዊት ስደተኛ ናብ ፖላንድ ክትኣቱ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ብመንግስቲ ፖላንድ "ንድሕሪት ተመሊሳ" እዮም ዝብሉ።

ነቲ ፍጻመ ስዒቡ፡ እታ ነፍሰጾር ስደተኛ፡ ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን ንበይና ብምሕራስ ኣብቲ ዶባ ንሓደ ወርሒ ከምዝጸንሓት እቶም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፖላንድ፡ ሓለውቲ ዶብ ሃገሩ ነታ ኤርትራዊት ስደተኛ ካብ ዶብ ከምዘይመለስዋ ገሊጹ።

እታ ስደተኛ ምስ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻና ናብ ዶብ ፖላንድ ምስ በጽሐት ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደት ሚኒስተር ማሲየጅ ዱስካሲከ ንቢቢሲ ሓቢራ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እታ ስደተኛ ናብ ፖላንድ ክትሰግር ዝገበረቶ ፈተነ ድሕሪ ምፍሻሉ ኣብቲ ኣግራብ ዝበዝሖ ከባቢ ዶብ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ተዓጽያ ከምዝጸንሐት ገሊጾም።

ሓለውቲ ዶብ ፖላንድ፡ 'ካብ ቤላሩስ ናብ ፖላንድ ዶብ ዝሰግሩ ስደተኛታት ኣይንፈቅድን' ኢና ብምባል ንድሕሪት ይመልስዎም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ነታ ኤርትራዊት ነፍሰ ጾር’ውን ምስኦም ከምዝመለስዋ’ዩ ዝግለጽ።

ብኣንጻሩ ፖላንድ፡ መሓዛ ሩስያ ዝኾነት ቤላሩስ፡ ስደተኛታት ብቤላሩስ ኣቢላ ናብ ፖላንድ ክኣትዉ ከም እተተባብዕ ትገልጽ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፖላንድ፡ እታ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብቲ ኣዝዩ ዝሑል ከባቢ ንሓደ ወርሒ ክትነብርን በይና ክትወልድን ዘይሕሰብ እዩ ብምባል ንርእይቶ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ነጺግዎ።

ብመሰረት እታ ሚኒስተር፡ ሓለውቲ ዶብ እታ ሃገር ነታ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ረኺቦም ናብ ኣብ ጥቓ ዶብ ዝርከብ ሆስፒታል ወሲዶማ።

እታ ጓል 38 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ናብ ፖላንድ ምእታው ተኸልኪላ ምንባራ ኣዳም ብራዊንስኪ ካብ ግሩፓ ጋርኒካ ዝተባህለ ጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ይዛረብ።

ኣዳም፡ እታ ኤርትራዊት ሓጹር ዶብ ሰጊራ ካብ ወተሃደራት ፖላንዳ ሓገዝ ሓቲታ፡ ንሳ ግን ንፖላንድ ክትኣቱ ከምዘይፍቀደላ ተነጊርዋ ይብል።

እታ ስማ ክትግለጽ ዘይደለየት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብ ቤላሩስ ወጺኣ ሰላማዊ መነባብሮ ንምርካብ ናብ ዶብ ፖላንድ ቅድሚ ምብጽሓ፡ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ኡጋንዳን ከምዝነበረት’ያ ትሕብር።

ኣዳም ብራዊንስኪ “ኣብ ጫካ በይና እያ ሓሪሳ። እዚ ደው ክብል ኣለዎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ከቢድ ኩነታት ዝኾነ ሰብ ከምዚ ከጋጥሞ የብሉን” ይብል።

እቶም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እታ ኤርትራዊት ስደተኛ ትማሊ ቀዳም 27 ሚያዝያ ካብ ሆስፒታል ወጺኣ ምስ ወዳ ናብቲ ስደተኛታት ብሓባር ዝእለይሉ ገዛ ከምዝግዓዘት ይዛረቡ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፖላንድ፡ እታ ኤርትራዊት ስደተኛ ዑቕባ ምስ ሓተተት፡ ብመሰረት ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ መስርሕ ጀሚርናዮ ኣለና ኢሉ።

እታ ሚኒስተር ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ 350 ስደተኛታት ከምዝተቐበሉ ትሕብር።

መንግስቲ ፖላንድ ኣብ ዶብ ንዝርከቡ ስደተኛታት ብሓይሊ ንድሕሪት ብምምላስ ብዙሕ ግዜ ይኽሰስ’ዩ።

ኣባል ግሩፓ ግራኒካ ኢዎ ሎስ፡ ኣብ ዝሓለፉ 5 ኣዋርሕ 1700 ስደተኛታት ካብ ዶብ ፖላንድ ከምዝተመልሱን ካብዚኦም እቶም 25 ሃለዋቶም ከምይፍለጥ ብምግላጽ ሓሙሽተ ግን ምማቶም ከምዝተረጋገጸ ይዛረቡ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ልዕሊ 100 ዘይመንግስታውያን ትካላትን ልዕሊ 500 ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መንግስቲ ፖላንድ ካብ ዶባቱ ስደተኛታት ካብ ምምላስ ክቑጠብ ጻውዒት ኣቕሪቦም ምንባሮም ይዝከር።