UK threatens to ban Eritreans over migrant return policy
Home Secretary Shabana Mahmood has threatened to ban all Eritreans from entering the UK if the east African country's government does not accept more returns of small boat migrants and foreign...
Latest releases
ብንያም ስምኦን፡ መስራትን ዳይረክተርን ራድዮ ኤረና ተዓዋቲ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2025 ኰይኑ
መስራትን ዳይሬክተርን ራድዮ ኤረና ብንያም ስምኦን ኣብቲ ዓመታዊ 18 መስከረም ዝርቋሕ ሽልማት ፐን ኤርትራ ተዓዋቲ እዚ ዓመት ከም ዝዀነ እቲ ትካል ብመገዲ መርበብ ሓበሬታኡ ብወግዒ ሓቢሩ። 18 መስከረም፡ ነቲ ኣብ 2001 ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተገብረ ምእጋድ ኵለን ኣብታ ሃገር ዝነጥፋ ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ዝሰዓበ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ንምዝካር ተባሂላ ከምዝተሓርየት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ፐን ኤርትራ ካብ 2019 ኣትሒዙ ዓመታዊ ኣብ ምድንፋዕ መሰል ናጽነት ምግልጽ ሓሳባትን ምምዕባል ስነጥበብን ጕሉሕ ተራ ንዝተጻወቱ ሰባት፡ ብዝወሃብ ድምጺ ክሽልም ጸኒሑ እዩ። ...
'ኢትዮጵያ ንዘልኣለም እስርቲ ጂኦግራፊ ኰይና ክትነብር እያ ኢሉ ዝሓስብ ብደው ዝሞተ እዩ' - ኣብይ ኣሕመድ
ዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ እስርቲ ጂኦግራፊ ኰይና ከምዘይትተረፍን፡ኣፍደገ ባሕሪ መሊሳ ከምእትረክብን ተሓንዩ። እቲ ቀዳማይ ምኒሰተር፡ ብ16 መስከረም 2025፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 'የመደመር መንግስት' [መንግስቲ ምድማር]፡ ዝብል ራብዓይ መጽሓፉ ኣብ ዘመረቐሉ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ መደረ እዩ ከምኡ ኢሉ።ኣብቲ ብጭብጨባን ልዑል ድምጺ ደገፍን ዝተዓጀበ፡ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕርን መእተዊ ኣፍደገ ባሕርን ዘተኰረ መደረኡ፡ ብፍላይ ድማ 'ቀይሕ ባሕሪ ናብ ኢትዮጵያ ምምላሱ ዘይተርፍ' ምዃኑ ተዛሪቡ። "ኢትዮጵያ...
ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ፈረንሳ ከይምለስ ብሕጊ ረቲዑ
ብጃልባ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ንግዜኡ ናብ ፈረንሳ ከይምለስ ዝገበሮ ሕጋዊ ምጕት ረቲዑ። እዚ ወዲ 25 ዓመት ኤርትራዊ፡ ብመሰረት እቲ ዓዲ እንግሊዝን ፈረንሳን ኣብ ሓምለ ዝበጽሓኦ ስምምዕ ሎሚ ረቡዕ'ዩ ናብ ፈረንሳ ክምለስ ተሓሲቡ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ነቲ ውሳነ ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተቓዊምዎ። ጠበቓኡ እዚ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ናብ ፈረንሳ ከይምለስ ዝገብሮ መርትዖታት ንኽእክብ ግዜ ከምዘድልዮ፡ ከምኡ ከኣ ግዳይ ዘመናዊ ጊላነት ክኸውን...
ግእዝ ምምሃር የድሊ ዶ ኣየድልን - ኣውራ ሕመረት እቲ ክትዕ እንታይ'ዩ?
ግእዝ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ቋንቋታት ዓለም ኰይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራን ንዝዝረቡ ሓያለ ቋንቋታት መሰረት እዩ። እዚ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣብ ብዙሕ ዓውደ ፍልጠታት ዘድሃበ ጽሑፋት ዝፈረየሉ ቋንቋ፡ ሕጂ ኣብ ሓያለ ዩኒቨርሲቲታትን ትካላት ምርምርን ይዝረብ። ቍጽሪ ተዛረብቱ ምስ ግዜ እናነከየ ብምምጽኡ፡ ሕጂ እቲ ቋንቋ ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ብዝተወሰነ ደረጃ ከኣ ኣብ ቤተክርስትያን ካቶሊክ ጥራይ ተሓጺሩ ይርከብ። ኣብዚ ቅንያት እምበኣር ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ቋንቋ ናብ...






















