ስዊዘርላንድ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምስጓግ ዝዓለመ ሓድሽ ውጥን እንታይ እዩ?

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ብሪጣንያ ‘ውጥን ሩዋንዳ’ ብዝብል ተመሳሳሊ ውሳነ ከም ዘጽደቐ ይፍለጥ። ነቶም ዝምልከቶም ብመትረብ እንግሊዝ ኣቢሎም ዝኣተዉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምጥራዝ ዘኽእል ስርሓት ጀሚሩ ከምዘሎ ድማ ይንገር ኣሎ።

ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ሕቶኦም ንዝተነጽገ ኤርትራውያን ናብ ከም በዓል ሩዋንዳ ዝኣመሰለ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምስጓግ ውጥን ነጺጕ ምንባሩ ይዝከር።

ባይቶ እታ ሃገር፡ ነዞም ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምስዳድ ዘኽእል ዝቐረበ እማመ መደብ፡ ኣብ ታሕሳስ ብ96 ድምጺ፡ 91 ተቓውሞን 6 ድምጸ-ተኣቅቦን ነጺግዎ ምንባሩ ዝፍለጥ ዘሎ ኰይኑ፡ እንደገና ኣብ ኮሚቴ ባይቶ በቶም ኣኽረርቲ ሕሉፋት የማናውያን ሰልፊታት ይለዓል ኣሎ።

በዚ መሰረት ድማ ኣብ ባይቶ ስዊዘርላንድ፡ እቲ ነዚ ጉዳይ ዝምልከቶ ኮሚቴ ወከልቲ ህዝቢ፡ ብኣኽራሪ-ሊበራላዊ ሰልፊ ስዊዝ ንዝቐረበ ኣካታዒ እማመ፡ ብ14 ኣንጻር 11 ድምጺ ኣጽዲቕዎ።

እቲ ብዓርቢ ዝጸደቐ እማመ፡ ብመገዲ ኣባል ባይቶ ስዊዘርላንድ ካብ ኣኽራሪ-ሊበራላዊ ሰልፊ ዝዀነት ፔትራ ጎሲ እዩ ቀሪቡ። ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ቢት ጃንስን ይዅን ሚኒስትሪኡ እቲ ሓሳብ ክውን ክኸውን ከምዘይክእል’ኳ እንተ ኣጠንቀቑ፡ እቲ ባይቶ ግን ብሳልሳይ ሃገር ኣቢልካ ኤርትራውያን ንሃገሮም ምስጓግ ንዝብል ሓሳብ ደጊፉ ኣሎ።

ኣብቲ ናይ ታሕሳስ ክርክር እውን ሚኒስትሪ ፍትሒ ስዊዘርላንድ፡ ሃገሩ ንከምዚ ዝበለ ውጥን ከተተግብር ሕጋዊ መሰረት የብላን ኢሉ ነይሩ።

እዚ እማመ ተቓውሞታት ዝስምዓሉ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣባል ሓምላይ ሰልፊን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ዝዀነ ባልታሳር ግላትሊ፡ እዚ እማመ ንፍሽለት ዝተቓልዐ ምዃኑ ርግጸኛ እየ ክብል ገሊጹ።

ንሱ፡ “እቲ ጸገም፡ ኤርትራ ብፍቓዶም እንተዘይኰይኑ ካብ ዝዀነ ሃገር ንዝስጐጕ ተመለስቲ ኣይትቕበልን’ያ፡” ኢሉ።

ይዅን እምበር ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብግዴታ ዝተጠረዙ ስደተኛታት ክትቅበል ጸኒሓ እያ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ማልታ፡ ግብጺ፡ ሊብያን ኢትዮጵያን ብግዴታ ክምለሱ ከምዝተገብረ ኣይርሳዕን።

ናብ ሃገሮም ኣብ ዝተመልሱ እዋን እውን፡ ከቢድ ወተሃደራዊ መቕጻዕቲ ከምዝወረዶምን መብዛሕትኦም ድማ ኵነታቶም ብዕሊ ከምዘይፍለጥን ይንገር።

እቲ ኣባል ባይቶ ስዊዝ፡ እቲ ነዞም ስደተኛታት ካብን ናብን ዝግበር መጓዓዓዚ ወጻኢታት’ውን ገንዘብ ከፈልቲ ግብሪ ምዃኑ ብምምልካት'ውን፡ ጽቡቕ ውጽኢት ክህልዎ ከምዘይክእል ተኸራኺሩ።

ካልእ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስዊዘርላንድን ኮሚተ ፖሊሲ መንግስትን ማርቲና ቢቸር፡ ብሳልሳይ ሃገር ኣቢሉ ዝግበር ውጥን ምስጓግ ብምድጋፍ ከም መከላኸሊ ስደተኛታት ከገልግል ከም ዝኽእል እውን ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ።

“ሕጂ ኣብ ባይታ መንጐኛ ክህሉ እውን ወሲንና ኣለና። ከም ውጽኢቱ፡ ካብቲ ንመጀመርታ ግዜ ነዚ እማመ ኣብ ዝፈተንናሉ እዋን፡ ድሮ ሓደ ስጕምቲ ንቕድሚት ንኸይድ ኣለና” ትብል ቢቸር።

ስዊዘርላንድ፡ ምስታ ብገማግም ማእከላይ ባሕሪ እትዋሰን ኢጣልያ ብዘለዋ ቅርበት፡ እቶም በብዓመቱ ካብ ሃገሮም ዝወጹ ኣሽሓት ኤርትራውያን ሕቶ ዑቕባ ንምቕራብ ዝመርጽዋ ሃብታም ንእሽቶ ኣውሮጳዊት ሃገር እያ። እዚ ኰይኑ ድማ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ብዝብል፡ እታ ሃገር ነዚ ምምላስ ስደተኛታት ብመገዲ ሳልሳይ ሃገር ዝብል መደብ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዛ ክትሓስበሉ ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።

ኣብ 2003፡ ሕቶኦም ዝተነጽገ ሓተቲ ዕቝባ ብመገዲ ሰኔጋል ኣቢሎም ናብ ኣፍሪቃ ክምለሱ ውጥን ከም ዝነበራ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እንተዀነ ሰኔጋል ካብቲ ስምምዕ ቀልጢፋ ስለዘንሰሓበት ተግባራዊ ክኸውን ኣይከኣለን።

ጉዳይ ምጥራዝ ስደተኛታት ሓተቲ ዕቝባ፡ ብዙሕ ሕጋዊን ሞራላዉን መዳያት ዝትንክፍ ብምዃኑ፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት - ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሃይማኖታዊ ታካላትን ካልኦትን - ክንቀፍን ክዅነንን ጸኒሑ እዩ።