ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝተኻየደ ማእሰርቲ ወንጌላውያን ኣመንቲ

'ረሊዝ ኤርትራ' ዝተባህለ ንመሰላት ኣባላት ዝተኣገዳ ኣብያተ-ክርስትያንን ካልኦትን ግዳያት ማእሰርቲን ዝጣበቕ ማሕበር ከምዝበሎ፡ እቲ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ኣብ ቀንዲ ከተማታት ዞባ-ጋሽባርካ'ዩ ተፈጺሙ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ከተማ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ተሰነይን ኣብ ዝተኻየደ ስርሒታት ልዕሊ 30 ኣመንቲ ከምዝተኣስሩ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

"እቲ ስጉምቲ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከምብሓድሽ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ሃይማኖታዊ ጭቆና" ምዃኑ እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።

ብማእሰርቲ ናይዞም ናበይ ከምዝተወስዱ ዘይተፈልጡ ኣመንቲ ዝሓዘነ ዳይረክተር ረሊዝ ኤርትራ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ዛጊት ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ልዕሊ 70 ኣመንቲ ናብ ማእሰርቲ ከምዝተወስዱ ተዛሪቡ።

ዶክተር ብርሃነ ኣስመላሽ ከምዝበሎ፡ "ኹነታት ኣመንቲ ወንጊላውያን ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመት ምንም ከምዘይተመሓየሸ 'ዩ ዝፍለጥ። አቶም ቀዳሞት ዝተኣስሩ መራሕቲ ሕጂ 20 ዓመቶም መሊኦም ኣለዉ።

"ካብኣቶም አቶም ሽውዓተ ብ2004 ዝተኣስሩ ክኾኑ ከለዉ ካለኦት መራሕቲ ሓደ ብ2005። ካልኦት ብ2006ን ብ2007 ዝተኣስሩ 10 ኣገልገልቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከቡ"።

"ንዋላሓደ ክሲ ዝተመስረተሉ ወይ ናይ ቤትፍርዲ ኣገባብ ዝተኻየደሉ ሰብ የለን" ይብል ዶክተር ብርሃነ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣስታት 30 ዝኾኑ ሰዓብቲ ናይተን ኣብያተ-ክርስትያን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ናብቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ መዳጎኒ "ማይ-ሱርዋ" ከምዝተወስዱ ይዝከር።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምእሳርን ምፍታሕን እሱራት ኣብታ ሃገር ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ'ኳ እንተጸንሐ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝፍጸም ዘሎ ማእሰርቲ ግን ነቶም ተሓለቕቲ ተወሳኺ ሻቕሎት ፈጢርሎም ኣሎ።

"ብሰሉስ ለይቲ ናይ ኤርትራ ጸጥታ ኣባላት ካብ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ተሰነይን ኣመንቲ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያናት ካብ ኣባይቶም ተወሲዶም።

"ናይዞም ዝተወስዱ ሰባት ቁጽሪ ይኹን ዝተወሰድሉ ቦታ ዛጊት ኣይበጽሓናን" ይብል እቲ ንኣስታት 20 ዓመታት ንመሰላቶም ክጣበቕ ዝጸንሐ ንባዕሉ ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ስደት ዝነብር ዶክተር ብርሃነ።

ሰብመዚ ኤርትራ ብዛዕባ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ቀይዲ ዘእትውዎም ዜጋታት ውግዓዊ መግለጺ ይኹን ሓበሬታ ከምዘይህቡ ይፍለጥ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዘቕረቦ መጽዋዕታ፡ ሰብመዚ ኤርትራ ንኹሎም እቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ዝሰወርዎም ሰባት ክፈትሕዎም፡ ኣበይ ከምዘለዉ፡ ብዛዕባ ሃለዋቶም፡ ከምኡ'ውን ኩነታት ጥዕንኦም ክሕብሩን ሓቲቱ ነይሩ።

ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኢልዝ ብራንድስ ከህሪስ፡ ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ "ስቅያትን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን" ይቕጽል ኣሎ ክትብል ተዛሪባ ነይራ።

ኤርትራ "ብፍርሒ እትመሓደር" ሃገር ክብል'ውን፡ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ዝወጸ ጸብጻብ ሕቡራት እታ ሃገራት ገሊጹዋ ምንባሩ ይዝከር።

ሰብመዚ ኤርትራ ግን እቲ ጸብጻባት ንክውንነት እታ ሃገር ኣብ ግምት ዘየእቱ "ፖለቲካዊ ሃቐነ ዘለዎን ዘይሓላፍነታውን ክስታት" ብምባል'ዮም ንዝቐርበሎም ክስታት ዝነጽግዎ።