ኤርትራ ንመግለጺ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያን ጌታቸው ረዳን ዝሃበቶ ምላሽ
ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ "ትያትራውን ፈጠራውን" ክስታት ሓቅነት ከም ዘይብሉ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ገሊጹ። ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያን ኣገልግሎታት ጸጥታን ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ኣልጀዚራ ተላፊኑ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ህወሓት ብድፍኢት ኤርትራ "ኣብዚ ቀረባ መዓልታት" ኣብ ልዕሊ...
Latest releases
ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ፈረንሳ ከይምለስ ብሕጊ ረቲዑ
ብጃልባ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ንግዜኡ ናብ ፈረንሳ ከይምለስ ዝገበሮ ሕጋዊ ምጕት ረቲዑ። እዚ ወዲ 25 ዓመት ኤርትራዊ፡ ብመሰረት እቲ ዓዲ እንግሊዝን ፈረንሳን ኣብ ሓምለ ዝበጽሓኦ ስምምዕ ሎሚ ረቡዕ'ዩ ናብ ፈረንሳ ክምለስ ተሓሲቡ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ነቲ ውሳነ ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተቓዊምዎ። ጠበቓኡ እዚ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ናብ ፈረንሳ ከይምለስ ዝገብሮ መርትዖታት ንኽእክብ ግዜ ከምዘድልዮ፡ ከምኡ ከኣ ግዳይ ዘመናዊ ጊላነት ክኸውን...
ግእዝ ምምሃር የድሊ ዶ ኣየድልን - ኣውራ ሕመረት እቲ ክትዕ እንታይ'ዩ?
ግእዝ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ቋንቋታት ዓለም ኰይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራን ንዝዝረቡ ሓያለ ቋንቋታት መሰረት እዩ። እዚ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣብ ብዙሕ ዓውደ ፍልጠታት ዘድሃበ ጽሑፋት ዝፈረየሉ ቋንቋ፡ ሕጂ ኣብ ሓያለ ዩኒቨርሲቲታትን ትካላት ምርምርን ይዝረብ። ቍጽሪ ተዛረብቱ ምስ ግዜ እናነከየ ብምምጽኡ፡ ሕጂ እቲ ቋንቋ ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ብዝተወሰነ ደረጃ ከኣ ኣብ ቤተክርስትያን ካቶሊክ ጥራይ ተሓጺሩ ይርከብ። ኣብዚ ቅንያት እምበኣር ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ቋንቋ ናብ...
ኤርትራዊ ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ፡ ፍሉይ ሰብ ኣብ ፍሉይ ዘመን
ሓደ ካብ'ቶም ብዘመን ጣልያን ፍሉይ ተራ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጻወቱ ክኢላን መስተውዓልን ሰብ ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ ብዓል ጻዕዳ-ክርስትያን ነበሩ። "ብዛዕባ ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ ክጽሕፍ ዝሓገዙኒ ምንጭታት ኣፍኣዊ-ታሪኻት ክዀኑ እንከለዉ፡ ገለ-ገለ ጽሑፋት'ውን ተጠቒመ'የ፡" ይብሉ መምህር ይስሓቕ ዮሴፍ - ብዛዕባ ባህልን ታሪኽን ኤርትራ ዘውክኡን ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ዘቕረቡን ጸሓፋይ። ቀጺሎም፡ "ኣዝማች ገብረሚካኤል ግርሙ ዘበራቒት ኣብ ጋዜጣ 'ኢትዮጵያ' ዝበሃል ብዘመን እንግሊዝ ዝሕተም...
ኤርትራውያን ብመንበሪ ገዛ ዝሽገሩላ ዘለዉ ኤውሮጳዊት ሃገር
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኤውሮጳዊት ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ምስ መነባብሮኦም ዝተሓሓዝ ጥርዓን ኣቕሪቦም ነይሮም። እቶም ብኣማኢት ዝቝጸሩ ስደተኛታት፡ መንግስቲ ነቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ "ቅልውላው መንበሪ ገዛ" ክፈትሓሎም'ዮም ዝጽውዑ ዘለዉ። ቢቢሲ ትግርኛ ብዛዕባ'ቲ ኵነታት ዘዘራረቦ ኣብታ ሃገር ዝነብር ኤርትራዊ ከም ዝብሎ፡ እቶም ስደተኛታት...


























