ኤርትራ፡ 'ግዓት' ኣብ ዝርዝር ባህላዊ ቅርሲ ዓለም ንምምዝጋብ ትዳሎ
ኤርትራ፡ ነቲ ብወለዶታት ክሰጋገር ዝጸንሐ ዘይጭበጥ ባህላዊ ቅርስታታ ንምዕቃብን ኣብ ዓለምለኻዊ መዝገብ ንምስፋርን ዘኽእል ሃገራዊ ዓቕማ ንምዕባይ ትሰርሕ ከም ዘላ መርበብ ሓበሬታ ትካል ትምህርቲ፡ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ሓቢሩ። ብመሰረት ጸብጻብ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ ምድላው "ግዓት"...
Latest releases
ኣዝማች ገብረሚካኤል ግርሙ፡ ኣበርክቶኦም ዓቢይ ክንሱ ታሪኾም ተጐስዩ ዝተረፈ ጐብለል
ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓያለ ክኢላታት፡ ለባማት፡ ጀጋኑ፡ ቅድሚ ግዜኦም ሰጒሞም ዝነበሩ ሰባት ኣፍርዩ ክነሱ ታሪኾም ግን ብግቡእ ኣይተነግረን። ሓደ ካብኦም ጸሓፊ ታሪኽ ገብረሚካኤል ግርሙ ዘበራቒት'ዮም። ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ብሓፈሻ መብዛሕትኦም ክርስትያን 'ሕብረት' ክጠልቡ፡ ኣስላም ኣቦታት ከኣ ንናጽነት'ዮም ተቓሊሶም። እዚ ታሪኽ ግን ታሪኽ ስለ ዝዀነ'ምበር ምእንቲ ፖለቲካ ክጥምዘዝ ኣይግባእን። ኵሉ በቲ ሓቂ'ቲ - ንናጽነት ደው ዝበሉን ንሕብረት ዝተቓለሱን ነይሮምና ኢልና በቲ ናይ ሓቂ መልክዑ ክግለጽ...
ዜጋታት ወጻእ ኣገልግሎት ሕክምና ከይረኽቡ ዝኽልክሉ ጸረ ስደተኛታት
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰሜናዊ ክፋል ጆሃንስበርግ ዝርከብ ሓደ ማሕበረሰባዊ ክሊኒክ፡ ማእከል ውጥጥ ኰይኑ ኣሎ። ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዘይኰኑ ሰባት፡ ህዝባዊ ትካላት ጥዕና ክጥቀሙ ክፍቀደሎም ኣለዎ ዶ የብሉን ዝብል ክትዕ ኣብቲ ክሊኒክ'ዉን በጺሑ ኣሎ። እዚ፡ ኣብ 2013 ኣብ ሓደ ከባቢ ዝጀመረ ምንቅስቓስ ተስፋሕፊሑ ኣሎ። 'ስርሒት ዱዱላ' ዝተባህለ ጕጅለ ጸረ ስደተኛታት ነቲ ወፍሪ ግብራዊ ንምግባር ኣብ ኣውራጃታት ጋውቴንግን ክዋዙሉ-ናታልን ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ተዋፊሩ ኣሎ። ...
ደቡብ ሱዳን ናይ መገሻ ሰነዳት ዘይብሎም 17 ኤርትራውያን ኣሲራ
ሰብመዚ ኢምግረይሽን ደቡብ ሱዳን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት 17 ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ማዕከናት ዜና እ ታ ሃገር ንሰበስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ጸብጺባ።እዚ ኣካል ናይቲ ነታ ሃገር ከም መተሓላለፊ መንገዲ ዝጥቀምሉ መርበባት ዘይሕጋዊ ስደትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰብን ዝገብሩዎ ኢሕጋዊ ተግባር ከም ዝዀነ ድማ ገሊጾም። ዋና ዳይረክተር ስቪል መዝገብ፡ ዜግነት፡ ፓስፖርትን ኢምግረይሽንን እታ ሃገር ሜጀር ጀነራል ኤልያ ኮስታ ፋውስቲኖ፡ እቶም ውልቀሰባት ብዘይ ቅኑዕ ናይ መገሻ...
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንወዲ 15 ዓመት ኣሜን ብኻራ ዝቐተሉ ኮተቴታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ እዮም
ብሞት ናይቲ ብ5 መጋቢት ኣብ ጐደና ክላረንዶን 'ሰንት ጆርጅስ ክሮስ' ብኻራ ተወጊኡ ተቐቲሉ ዝተረኽበ ኣሜን ተኽላይ ዝተኸሰሱ ደቂ 15ን 16 ኮተቴታት ናብ ቤትፍርዲ ክቐርቡ እዮም። እዞም ብሰንኪ ዕድመኦም ስሞም ክጥቀስ ዘይክእልን ማስክ ዝወደዩን ኮተቴታት፡ ንኣሜን ብኻራን ናይ ክሽነ ባዴላን ገይሮም ሃሪሞም ከም ዝቐተሉዎ እዩ ዝግለጽ። ንሶም ግን ነቲ ክትለት ከም ዘይወዓሉዎ ይኽሕዱ። እቲ ፍጻመ ብኸመይ ከም ዝተፈጸመ ኣብ ግላስኮ - ስኮትላንድ ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ፍርዲ ድማ...

























