From refugee camp to RAAF excellence
From refugee to earning a master’s degree in business administration, Able Seaman Naffissa Mohamed has been on quite the journey. Fleeing Eritrea at the age of seven, she embarked on a testing...
Latest releases
ርክብ ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን መንእሰያት -- ንስራሕን ሌላን
ዋሽንግተን —ሓሙስ 25 ሓምለ 2024 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ኣስታት 400 መብዛሕትኦም ሞያውያን ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን መንእሰያት ዝተኣኻኸቡሉ ናይ ምልላይን ርክባትን መደብ ተኣንጊዱ ኣምስዩ። እቲ ኣጋጣሚ ኪንዮ ፖለቲካዊ ማሕበራዊን ፍልልያት ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ንዘለዉ ኣብ ኣመሪካ ተወሊዶም ዝዓበዩ ወይ ድማ ድሒሮም ዝመጽኡ ኤርትራውያን ዝጥርንፍ ኣጋጣሚ’ዩ ነይሩ።
ካልጋሪ፣ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተመስረተ ክሲ ተላዒሉ፣ ክሲ ኣባላት ብርጌድ ንሓምዱ ግና ይቕጽል
ኣብ ካናዳ፣ ከተማ ካልጋሪ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ወርሒ መስከረም፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ብብርጌድ ንሓመዱ ዝተወደቡ ደለይቲ ለውጢን ኣብ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ክሲ ተመስሪትሎም፣ ኣብ ምጽራይ’ዩ ጸኒሑ።
ኤርትራ፡ እገዳ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምምሕዳራዊ ዶ ፖለቲካዊ?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ “ዘይርትዓዊ ወሰኽ ዋጋታት ትኬት፡ ምዕናውን ምጥፍፋእን ንብረት ገያሾ፡ ምድንጓይ በረራን ምክልባት ተጓዓዝትን፡” ካብ 30 መስከረም 2024 ጀሚሩ፡ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ደው ንኸብል ወሲኑ።
ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ፖርት ሱዳን ክበጽሕ ዕድመ ከምዘቕረበሉ ተገሊጹ
ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሱዳንን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፣ ንፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ፖርት ሱዳን ክበጽሕ ወግዓዊ ዕድመ ከምዘቕረበሉ ተሓቢሩ።