Horn of Africa risks becoming arena for Gulf rivalry as Ethiopia drawn into power struggle - AFP
Addis Abeba – Intensifying competition among rival Gulf monarchies is increasingly shaping political and security dynamics in the Horn of Africa, with Ethiopia emerging as a key focal point,...
Latest releases
ሰበስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሃብዎ ሓድሽ መግለጺታት ኣፍደገ ባሕሪ
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክግበር ዝጸንሐ ዳርባ ቃላትን ወጥርን ሕጂ'ውን ይቕጽል ኣሎ። ምኒስተር ዜና ኤርትራ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ-ባሕሪ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት "ክሕሰብ ወይ ክስገር ዘይብሉ ቀይሕ መስመር እዩ" ብምባል "ግጉይን ሓላፍነት ዝጎደሎን'ዩ" ክብል ነቒፉ። "ናብቲ ዝሓለፈ ጸሊም ምዕራፍ ዘመናዊ ታሪኽ ክልቲአን ሃገራት ተመሊሶም'ውን፡ ናይ ጎበጣ እዋን" ይውድሱ ኣለዉ ይብል ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል። ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ሓያሎ ካልኦት...
ኤርትራ፡ 'መሰልከይን ፖለቲካዊ ዕሽነትን' ክትብል ንመግለጺ ኢትዮጵያ ምላሽ ሂባትሉ
ኤርትራ ነቲ ኣብዚ ሰሙን ካብ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝወጽአ ንናጽነት ኤርትራን ተበጻሕነት ቀይሕባሕሪን፡ "ዳግማይ ክሕሰበሉ ኣለዎ" ዝብል ሓሳብ ዝሓዘ ሓድሽ መግለጺታት፡ "ዝደጋገም መሰልከይን ፖለቲካዊ ዕሽነትን፡" ኢላ ብትሪ ብምንጻግ ምላሽ ሂባትሉ። ኣብቲ ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ብመንገዲ ኤክስ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ኣብዚ ቅንያት'ዚ ሰበስልጣን ሰልፊ ብልጽግናን ደገፍቶምን ብዓውታን ብዘይሓላፍነታዊ መንገዲን ንጥንታዊ፡ ማእከላይ ዘመንን ዘመናውን ታሪኽ ኤርትራ ክጥምዝዝዎ ይስምዑ ኣለዉ፡" ኢሉ። ...
ንዝኽሪ ታሪኻዊት መዓልቲ ባሕቲ መስከረም ኣብ መበል 64 ዓመታ
ብጅግና ስዉእ ሐምድ እድሪስ ዓዋተን ብጾቱን ብታሪኻዊት መስከረም ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ወትሩ እንዳ ተዘከረት ትበር። ንታሪኻዊት ሐደ መስከረም ኣብ መበለ 64 ዓመታ ብሽም ጀጋኑ ሰማእታት ብልሳን ውጹዓት መጸዋዕታ ከምቲ ጅግንነት ጎቦ ኣዳል ንመግዛእቲ ህግደፍ እንቢ ባርነት ህግደፍ ብሐርነት ክዛዘም ቅሳነት ክረክብ...
'ጌጋ ቀይሕ ባሕሪ ጽባሕ ክእረም እዩ' - ኣቢይ ኣሕመድ
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪን ምቍጽጻር ወደብ ዓሰብ ናይ ኤርትራን ኣመልኪቶም ዝተፈላለየ መግለጺታት ክህቡ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሰሙን እውን ቀጺሎሞ ኣለዉ። ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ንጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ፡ ከምኡ ድማ ሜጀር...


























