'ቀይሕ ባሕሪ ንኹለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ' - ፕረዚደንት ኢሳይያስ
ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኾነ ማያዊ ክፍሊ ዓለም ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ስለዝኾነ ጸጥታዊ ውሕስነቱ ክረጋገጽ ከምዘለዎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ። ምስ ኤሪ-ቲቪ ኣብ ዘካየዶ ንዝተፈላለየ ጉዳያት ዝተንከፈ ቃለመሕትት፡ ስትራተጂያዊ ንግዳዊ መስመር'ኳ እንተኾነ ቅድም ቀዳድም ሃገራት እቲ ዞባ ገማግም ባሕረን ከውሕሳ ኣለወን ኢሉ። እቲ ምስ መራሒ ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ ንምዝርራብ ኣብ ካይሮ ዝቐነየ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ወሽመጥ...
Latest releases
ኤርትራ ዝሰወረቶም እሱራት ፖለቲካ ክትፈትሕ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ጸዊዖም
ኤርትራ ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕን ፖለቲካዊን ሲቪካውን መሰላት ዜጋታታ ከተኽበርን ሕቡራት ሃገራት፡ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብዎም ወገናት ጸዊዖም። ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ትማሊ ሰኑይ 16 ሰነ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኩነታት ኤርትራ ከምዘይተመሓየሸ ኣብሪሁ። መሓመድ ዓብዲሰላም ባቢከር ንቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ምስዋር ተቓውሞኦም ዝገልጹ ሰባት፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ይቕጽል ከምዘሎ ይጠቅስ። እቲ...
ኤርትራ ዝሰወረቶም እሱራት ፖለቲካ ክትፈትሕ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ጸዊዖም
ኤርትራ ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕን ፖለቲካዊን ሲቪካውን መሰላት ዜጋታታ ከተኽበርን ሕቡራት ሃገራት፡ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብዎም ወገናት ጸዊዖም። ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ትማሊ ሰኑይ 16 ሰነ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኩነታት ኤርትራ ከምዘይተመሓየሸ ኣብሪሁ።መሓመድ ዓብዲሰላም ባቢከር ንቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ምስዋር ተቓውሞኦም ዝገልጹ ሰባት፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ይቕጽል ከምዘሎ ይጠቅስ። እቲ...
ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራን ኣፍደገ ባሕርን እንታይ'ዩ ኢሉ?
ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምምሕያሽ ዝተገብረ ጻዕርታት ከም ዝፈሸለ ገሊጹ። ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ንኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኤርትራ ንሃገሩ ኣፍደገ ባሕራ ክትከፍተላ ድልውቲ ከም ዘይኰነት'ውን ኣሚቱ። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዘድልያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ከም ዘስግኣን ዝገለጸ እቲ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኵነታት ንምግጣም ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ከም ዝወሰነት ጠቒሱ። "ኣብዚ ዞባ ሃወኽቲ ስርዓታት'ውን...
ወዲ 23 ዓመት ኤርትራዊ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተቐቲሉ
ኣሌክ ዮሴፍ ብርሃነ ዝተባህለ ወዲ 23 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ኣምሓራ፡ ዳባት ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከምዝተቐትለ ቤተሰብ ንቢቢሲ ገሊጾም። ብረቡዕ ምሸት ከባቢ ሰዓት 9 ከም ዝተቐትለ ዝተነግረ መንእሰይ፡ ኣብ ገዛኡ ደቂሱ እንከሎ ጐረቤቱ ሰረቕቲ ኣትዮምም ናይ ርዱኡና ኣውያት ድሕሪ...


























