ኤርትራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ክቕጽልን ተሓታትነት ክሰፍንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጸዊዐን
ኣብ መበል 62 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ስልጣኑ ክሕደስን ጉዳይ ተሓታትነት ክቕጽልንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጻውዒት ኣቕሪበን። እዚ ብ31 ዘይመንግስታውያን ኣህጉራውያን ማሕበራት ብ12 ግንቦት 2026 ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ናብቶም ኣብ ጀነቫ ዝርከቡ ቀወምቲ ወከልቲ...
Latest releases
'ብሓባር ነባሪ ታሪኽ ሰሪሕና: ድሓን ኲን ቢንያም ግርማይ' - ኢንተርማርች
ቢንያም ግርማይ ካብታ ኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን ዝተጻወተላን ዓበይቲ ዓወት ዝተጎናጸፈላን ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተማርች ብወግዒ ከምእተፋነወ እታ ጋንታ ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ኣፍሊጣ። ቢንያምን ኢንተርማርችን ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን 12 ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግቡ እንከለዉ፡ ልዕሊ 40 ግዜ ኸኣ ናብ ፖድዮም ደይቦም። "ብሓባር ነባሪ ታሪኽ ሰሪሕና። ድሓን ኲን ቢንያም ግርማይ" ክትብል እታ ጋንታ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘወጽኣቶ ናይ ስንብታ ሰናይ ትምኒታ ነቲ ኣፍሪቃዊ ኮኾብ ስፖርተኛ ገሊጻትሉ። ኣብ 2021...
ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ንዑደት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ንጉዳይ 'ኣፍደገ ባሕሪ' ኣምሲላ ካልእ ትርጉም ትህቦ ምህላዋ ትኸስስ
ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምብጻሕ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንኻልእ መዓላ ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ወቒሱ። ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ወጻእተኛታት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሩዎ "ንቡርን ስሩዕን" ምብጻሕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ "ዘነጽርን ሓያል ድፍኢትን" ከም ምዃኑ ኣምሲሉ ብምቕራብ ካልእ ትርጕም ይህቦ ከም ዘሎ ከሲሱ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ንምብጻሕ ኣዛዚ እዚ ኣፍሪቃ ጀነራል ዳግቪን ኣንደርሰን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪን ጠለባት ኢትዮጵያን ከም ዝተዘራረበ ሓቢሩ ነይሩ። ...
ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ ኤርትራ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓርሱ፡ ኣቢይን ትግራይን እንታይ በለ?
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘካየዶ ኣዘራራቢ ቃለመሕትት፡ ብዛዕባ ኤርትራ፡ ወጥሪ ዝፈጠረ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ፡ ውሽጣዊ ኵነታት ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን ውልቃዊ ፖለቲካዊ መርገጺታቱን ሓለቓኡ ኣቢይ ኣሕመድን ተዛሪቡ'ሎ። ኣብቲ ብፍሉጥ ጋዜጠኛ መህዲ ሓሳን ኣብ መደበር ዜና ኣልጀዚራ ዝቐርብ መደብ 'ሄድ ቱ ሄድ' ኣብ ዘካየዶ ርሱን ቃለመሕትት፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናብ ኲናት ከምዘየምርሕ'ዩ ዝምጕት። ዛዕባ ናይ ኣቢይ ኣሕመድ ባህግታት ምህናጽ "ዓባይ ኢትዮጵያን...
ኣመሪካዊ ጀነራል ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዑደትን ርክባትን ተዛሪቡ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ዘካየደ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ጀነራል ዳግቪን ኣንደርሰን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ምብጻሕን ዝገበሮ ርክባትን ተዛሪቡ። ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ናይ እዚ ኣፍሪቃ (ኣፍሪካ ኮማንድ/ኣፍሪኮም) ኣዛዚ፡ ቅድሚ ሕጂ ናብታ ሃገር በጺሑ ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ "ኣገዳሲት" ምዃና ገሊጹ። "ቀንዲ ምኽንያት መምጽእየይ፡ ናይ ሓባር ስግኣታት ስለዘለዉና እዩ። ነዚ ዞባ ሓድሽ ኣይኮንኩን፡ እቶም ጉዳያት እንታይ ምዃኖም እርዳእ እየ። "ስለዚ ነዞም ስግኣታት እዚኦም...


























