ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ክኣትዉ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ሓቢሮም
ኣብ እዋን ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ዳግማይ ውግእ፡ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ብምእታው ክግስግሱ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ከተማ ዓዲ-ግራት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝበልዎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝለብሶ "ቆጽለዋይ ሬንጀርን ሓመዳዊ ሬንጀርን" ዝተኸደኑ ወተሃደራት ኣብ ዓበይቲ መካይን ተጻዒኖም ንውሽጢ ክሓልፉ...
Latest releases
03 ጥቅምቲ ዝኽሪ ላምፐዱሳ፡ ህይወት ኣማኢት ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ህልቂት
ቅድሚ 13 ዓመታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ህይወቶም ንዝሰኣኑ 368 ሰባት ንምዝካር፡ ሎሚ 3 ጥቅምቲ 2026 ኣብታ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፔዱሳ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ይካየድ ኣሎ። እቲ 'መዓልቲ ዝኽርን ቅበላን' (Giornata della Memoria e dell'Accoglienza) ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓመታዊ ዝኽሪ፡ ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ 2016 ብኢጣልያ ዝጀመረ እዩ። ...
26 ሰባት ብጃልባ ባሕሪ ዘሳገረ ኤርትራዊ ማእሰርትን ምጥራዝን ተፈሪዱ
ሽዱሽተ ህጻናት ዝርከብዎም 26 ካልኦት ሰባት ዝጸዓነት ንእሽቶ ጃልባ ናብ ገማግም ባሕሪ ኬንት ብሪጣንያ ዘሳገረ ዓብደላ ጀማል ዝተባህለ ኤርትራዊ ን18 ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪዱ። እቲ ወዲ 32 ዓመት ዓብደላ፡ ብ25 ሓምለ ብዘይ ሕጋዊ መእተዊ ፍቓድ ብባሕሪ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝገበሮ ዘይሕጋዊ ምስጋር "ንህይወት ካልኦት ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ" ንዝቐረበሉ ክሲ ገበነኛ ምዃኑ ምስ ተኣመነ እዩ ተፈሪዱ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአንን ዝሓለፎ መድረኻትን
ሓሙስ 1 ጥቅምቲ 2026፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ዓጽያ፡ ዓሰርተ ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ሃገራ ክወጹ ኣዚዛ። ኤርትራ ብወገና ኵሉ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ብምብታኽ ግብረመልሲ ሂባ። እዚ ምብታኽ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና እዚ፡ ነጸብራቕ ናይቲ ንልዕሊ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመታት ኣብ መንጎ ምሕዝነትን ቅሉዕ ኲናትን ተጻብኦን ክብን ለጠቕ ክብል ዝጸንሐ ዝምድና...
ኤርትራ ብወገና ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ
ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዲፕሎማሰኛታት ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ክትበትኮ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብሓሙስ 01 ጥቀምቲ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ "ተግባራት ተጻብኦ ኤርትራ" ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዘሎ ኤምባሲኡ ከምዝዕጾ ብምግላጽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ...


























