ኢጋድ ኤርትራ ንዝወሰደቶ ውሳነ ምስሓብ ኣባልነት ግብረመልሲ ሂቡሉ
ኤርትራ ካብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣባልነታ ከምዝሰሓበት ምፍላጣ ከምዘሕዘኖ እቲ ውደብ ገሊጹ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ውድብ "ንኣባላት ሃገራት፡ ብፍላይ ንኤርትራ ዒላማ ንምግባር መሳርሒ" ከምዝኾነ ብምኽሳስ "ሕጋዊ ሓላፍነት" ኣይፈጸመን ክብል ይወቅስ። "ኤርትራ፡ ካብቲ ውድብ ክትስሕብ ዝወሰደቶ ውሳነ ንዋና ጸሓፊ ኢጋድ ብወግዒ ኣፍሊጣቶ ኣላ" ይብል እቲ ካብ ኣስመራ ዝወጸ መግለጺ። ሎሚ ኣማስያኡ...
Latest releases
ስድራ ናይቶም ኣብ ሱዳን ከም ምሩኻት ዝተተሓዙ ኤርትራውያን እንታይ ይብሉ?
ልዕሊ 50 ዝዀኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ብሓይልታት ሱዳን ከም ምሩኻት ተታሒዞም ከም ዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።እቲ ሓበሬታ ክፍለጥ ዝኸኣለ ሓያለ መንእሰያት ካብ መኪና ጽዕነት እናወረዱ ክቕጥቀጡን ክጋፍዑን እንከለዉ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ።
ኤርትራ፣ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም
መንግስቲ ኤርትራ ብዓርቢ 12 ሚያዝያ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝፈትሐ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።
ሱዳን፣ ከም ምሩዃት ተታሒዞም ናይ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ስድራቤት ሓገዝ ይሓቱ
ካብ ኢትዮጵያ፣ ብመንግዲ ሱዳን ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ 10ታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ብዕጡቓት ሱዳን ከም ምሩዃት ተታሒዞም ይሳቐዩን ይጋፍዑን ከምዘለዉ ስድራቤታቶም ናብ ራድዮ ኤረና ብምድዋል ኣመልኪቶም።
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብሓድሽ ሕጊ ስደት ኣውሮጳ ብኸመይ ይጽለዉ?
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት - ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ስእነት ሰብኣዊ ሓርነትን ግህሰት መሰላትን ካልእን ዝጠንቁ ብብዝሒ ካብ ሃገሮም ወጺኦም ክስደዱ ጸኒሖም እዮም።


























