መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ኣመሳርታ ቤት ትምህርት ሰውራ
ብምኽንያ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ቤት ትምህርት ሰውራ ኣጋጣሚ፥ ቀንዲ ዕላማ ናይ ዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ትቅርብ ዘላ፥ ነቶም ተማሃሮ ነባር መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ቤት ትምህርት ሰውራ ዘጸንብሉ ዘለወ ፡ ነቲ ብህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ቃልሲ ኮነ ድሕሪ ናጽነት ዝትረኽ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣመሳርታ ቤት...
Latest releases
ርክብ ኤርትራን ኣመሪካን ፡ ምኒስተር ዑስማን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ እንታይ ዘትዮም
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ምስ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን መስዓድ ቡሎስ ኣብ ካይሮ ተራኺቦም ዘተዮም። እቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝዀነ ብሎስ፡ ብመንገዲ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ምስ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ክልቲአን ሃገራት ዘተኰረ "ጽቡቕን ኣፍራይን" ዝበሎ ዘተ ከም ዘካየደ ኣፍሊጡ።
ኤርትራ፡ 'ግዓት' ኣብ ዝርዝር ባህላዊ ቅርሲ ዓለም ንምምዝጋብ ትዳሎ
ኤርትራ፡ ነቲ ብወለዶታት ክሰጋገር ዝጸንሐ ዘይጭበጥ ባህላዊ ቅርስታታ ንምዕቃብን ኣብ ዓለምለኻዊ መዝገብ ንምስፋርን ዘኽእል ሃገራዊ ዓቕማ ንምዕባይ ትሰርሕ ከም ዘላ መርበብ ሓበሬታ ትካል ትምህርቲ፡ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ሓቢሩ። ብመሰረት ጸብጻብ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ ምድላው "ግዓት" ካብ ተራ መግቢ ንላዕሊ፡ ምልክት...
ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ዝስኣነትሉ መገዲ ኣመልኪቱ እንታይ ኢሉ?
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበራ ቀጥታዊ ተበጻሕነት ዝተቛረፀሉ መገዲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ መንግስቱ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዎ ድልየት ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ንሱ፡ ኣብቲ ትማሊ ዝጀመረ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ መኽፈቲ መደረ ኣብ ዘስምዓሉ እዋን፡ ውሽጣዊ ድኽመታትን ኣፈላላያትን እታ ሃገር "እስርቲ ጂኦግራፊ" ክትኸዉን ከም ዝገበራ...
ኡጋንዳ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክትዝቲ ምውሳናን ዝተሓላለኸ ኵነታት ስደተኛታትን
ኣብ ኡጋንዳ ምኒስተር ድልውነት ሓደጋን ስደተኛታትን ሳም ኤንጎላ፡ ቍጽሪ ዕቝባ ዝሓቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምንታይ ይውስኽ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክዝቲ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ስጕምቲ እዚ፡ ኡጋንዳ ንምሉእ ዓመት ኣቋሪጻቶ ዝጸንሐት ምቕባል ስደተኛታት ዳግማይ ድሕሪ ምጅማራ፡ እቲ ቍጽሪ ስደተኛታት ካብ 56,299 ናብ ልዕሊ 70,000 ድሕሪ ምዕራጉ ዝሰዓበ እዩ።

























