ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ንጠለብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ ዝሃቡዎ ግብረመልሲ
ሓይሊ ዕማም ቀይሕ ባሕሪ ዝተሰምየ ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ምርካብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዘቕረበቶ ጠለብ፡ "ብታሪኽ ዘይቅኑዕን ብሕጊ ዘይምኽነን፡" ብምባል ብትሪ ነጺጉዎ። እዚ ዝወጽአ ሓድሽ መጽናዕታዊ ሓተታ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብ13 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ቅድሚ ባይቶ ሃገሩ ቀሪቡ፡ ቀይሕ ባሕሪ "ተፈጥሮኣዊ ዶብ ኢትዮጵያ" ምዃኑን 'ዋንነት' ባሕሪ "ጉዳይ ህላወ" ምዃኑን ድሕሪ ምግላጹ ምዃኑ...
Latest releases
ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቤልጂም ሓድሽ ክብረወሰን ብምምዝጋብ ተዓዊቱ
ኣብ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ሰርኵት ፍራንኮ በልገ ዝተብሃለ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኢንተርማርቸ ዋንቲ ቢንያም ግርማይ ንመወዳድርቲ ብቅጽበታዊ ውድድር ብዘተኣማምን ብቕዓት ብምርታዕ ቀዳማይ ወጺኡ።
ኤርትራ ን33 ዓመታት ብኸመይ ብዘይ ቅዋም ትመሓደር ኣላ?
ኤርትራ ኣብ 24 ግንቦት መበል 33 ዓመት በዓል ናጽነታ ብኽብ ዝበለ ድምቐት ኣብዒላ።እዛ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ እያ ብ24 ግንቦት 1991 ናጽነታ ተጐናጺፋ።
ሓድሕድ ባእሲ ኤርትራውያን ብዘሕዝን መልክዑ ይቕጽል
ትማሊ ሰንበት ኣብ ሸፊልድ ብሪጣንያ ኣብ ጎደናታት ብዝተፈጥረ ባእሲ ኤርትራውያን 22 ሰባት ኣብ ሕክምና ተዓቒቦም ከም ዘለዉ ደይሊ መይል ገሊጻ።
እንግሊዝ፡ ኣብ ጐደናታት ብዝተኻየደ ከቢድ ዕግርግር 25 ሰባት ተኣሲሮም
እቲ ዘጋጠመ ባእሲ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ደገፍን ተቓወምትን ዝተፈጥረ ባእሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጽ ገለ ሓበሬታታት ግን ኣሎ።