A New Generation of Eritreans Enters Indefinite Service
Eritrean President Isaias Afwerki and other senior government officials presided over the 38th graduation ceremony of secondary school students from the Sawa military training center on July 11. Though...
Latest releases
ልዕሊ ዓቐን ስደተኛታት ኣብ ዝፀዓነት ጃልባ ሰለስተ ኣሓት ሞይተን ተረኺበን
ሰለስተ ሱዳናውያን ኣሓት ብሓንቲ ልዕሊ ዓቐን ዝፀዓነት ንእሽተይ ጃልባ ስደተኛታት፡ ብማእከላይ [መዲትራንያን] ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ኣብ ዝሰግራሉ ዝነበራ እዋን ሞይተን ከም ዝተረኸባ ትካል ገባሪ ሰናይ ጀርመን ብሰንበት ኣፍሊጡ። እተን ካብታ ብኲናት ዝተሃሰየት ሱዳን ዝተበገሳ ሰለስተ ኣሓት ዕድመአን 9፣ 11 ን 17 እዩ። ከም ሓበሬታ ትካል ስደተኛታት ዓለም፡ ካብ 2014 ንደሓር ንሓደገኛ መስመር ባሕሪ መድትራንያን ኣቋሪጾም ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ልዕሊ 30 ሽሕ ስደተኛታት ሞይቶም እዮም። ምስ ጀርመናዊ ትካል ገባሪ...
ኤምባሲ ኤርትራ፡ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ክፍትሑ ንዝጽውዕ ጥርዓን ኣይቅበልን ኢሉ
ተጣበቕቲ ምግሃስ ሃይማኖታዊ ናጽነት ብዓርቢ 22 ነሓሰ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ዋሽንግተን ዲሲ ተረኺቦም ድሕሪ ዘካየዱዎ ሰለማዊ ሰልፊ፡ እቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ብዘይ ክሲ ተመቚሖም ዝርከቡ ሸውዓተ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ክፍትሑ ዝጽውዕ ጥርዓን ነቲ ኤምባሲ ክህቡዎ ኣብ ዝፈተንሉ ምቕባል ከም ዝኣበዩዎም ተገሊጹ። እቲ ንኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያንን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ዝተኻየደ መደብ፡ ሽርክነት ሃይማኖታዊ ሓርነት ንፍትሒ ብዝተባህለ ትካል ዝተመርሐ ኰይኑ፡ 21 ዊልበርፎርስ፡ 'ሰት ማይ ፒፕል...
ስደተኛታት ናብ ኤርትራን ኣፍጋኒስታንን ክመልስ ዝደሊ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓባይ ብሪጣንያ
ሰልፊ ጽገና ዓባይ ብሪጣንያ ብንኣሽቱ ጀላቡ ተሳፊሮም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝኣትዉ ሓተቲ ዕቝባ ብጅምላ ክጥረዙ ከም ዝገብር ቃል ኣትዩ። መራሒ እቲ ሰልፊ - ኒጀል ፋራጅ ንዘ-ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሰፊሕ ቅልውላው ከም ዘሎን እዚ ድማ ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ህዝባዊ ዕግርግር ከስዕብ ከም ዝኽእልን ገሊጹ። ለቲካዊ ውድብ ጽገና ኣርባዕተ ኣባላት ባይቶ ጥራሕ'ኳ እንተ'ለውዎ፡ ብሰንኪ እቲ ብንኣሽቱ ጀላቡ ተጠቒምካ ዝካየድ ዘሎ ስግረዶብ ዘስዓቦ ብስጭት ኣብ መረጻ ዝሓሸ ተሰማዕነት ይረክብ'ዩ ዘሎ።
ኤርትራ፡ እሱራት መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ክፍትሑ ዝጠልብ ዓለምለኻዊ መደብ ክካየድ እዩ
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ክርስትና ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ክፍትሑ ዝጽውዕ ሰልፍታትን ጸሎትን ክካየድ ን22 ነሓሰ ይጽውዓ ኣለዋ። እቶም ኣቕሽሽትን ፓስተራትን ኣባላት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶን ወንጌላውያንን ኰይኖም፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ። ካብቶም ሸውዓተ እሱራት፡ እቶም ሽዱሽተ ካብ 2004 ኣትሒዞም ኣብ ትሕቲ "ዘስካሕክሕ" ማእሰርቲ ከም ዝርከቡን ኣብ 2005 ካልእ ሓደ ሰብ ከም...

























