ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዓዋቲ ብጫን ቀጠልያን ማልያ ዙር ማግኒፍሰንት ኵንሃይ ኰይኑ
ኤርትራዊ ኣባል ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022፡ 2023 ከምኡ'ውን 2024 ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዓዋቲ ብጫን ቀጠልያን ማልያ ኣብ ቻይና ዝካየድ ዙር ማግኒፍሰንት ኵንሃይ ኰይኑ ውድድሩ ከም ዝዛመ ኣብ ሳይክሊን ስታት ዝወጽአ ጸብጻብ ገሊጹ። ኣብዚ ሸሞንተ መድረኻት ዝነበሮ ሓያል ጸወታ፡ ተቐዳደምቲ ብድምር 1323.7 ኪሎሜተር'ዮም ዘዊሮም። ሄኖም ምሉእብርሃን ከኣ ንውድድሩ ብ30 ሰዓት 5 ደቂቕን 13...
Latest releases
ኤርትራ፡ 'ብዓይነቱ ፍሉይ' ማእሰርቲ ወንጌላውያን ኣመንቲ ይፍጸም ኣሎ
ሰብመዚ ጸጥታ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ናይተን ዝተኣገዳ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ከካይድዎ ዝጸንሑ ማእሰርቲ ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ተሓለቕቲ ሓቢሮም። እቶም ኣብዚ ወርሒ'ዚ ኣብ ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓንሰባን ጋሽ-ባርካን ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ካብ ገዛውቶም ዝተወስዱ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ። ሓደ...
ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቤልጂም ሓድሽ ክብረወሰን ብምምዝጋብ ተዓዊቱ
ኣብ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ሰርኵት ፍራንኮ በልገ ዝተብሃለ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኢንተርማርቸ ዋንቲ ቢንያም ግርማይ ንመወዳድርቲ ብቅጽበታዊ ውድድር ብዘተኣማምን ብቕዓት ብምርታዕ ቀዳማይ ወጺኡ።
ኤርትራ ን33 ዓመታት ብኸመይ ብዘይ ቅዋም ትመሓደር ኣላ?
ኤርትራ ኣብ 24 ግንቦት መበል 33 ዓመት በዓል ናጽነታ ብኽብ ዝበለ ድምቐት ኣብዒላ።እዛ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ እያ ብ24 ግንቦት 1991 ናጽነታ ተጐናጺፋ።
ሓድሕድ ባእሲ ኤርትራውያን ብዘሕዝን መልክዑ ይቕጽል
ትማሊ ሰንበት ኣብ ሸፊልድ ብሪጣንያ ኣብ ጎደናታት ብዝተፈጥረ ባእሲ ኤርትራውያን 22 ሰባት ኣብ ሕክምና ተዓቒቦም ከም ዘለዉ ደይሊ መይል ገሊጻ።