ኤርትራ፡ 'ኢትዮጵያ ተቕርቦ ዘላ ክሲ ምስግጋር ኣጽዋር፡ መመኽነይታ ንኲናት እዩ'
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ናብቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ብምቕባል ዘቕረቦ ክሲ ሓሶት ምዃኑ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክጅምሮ ዝደሊ ዘሎ ኲናት ንመመሳመሲ ዘቕርቦ ዘሎ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ። እቲ ብ14 ጥሪ ዝወጸ መግለጺ ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ከም ዝመልክቶ፡ "ምስ ውሽጣውያን ጕጅለታትን ታሪኻውያን ጸላእቲ ብምትሕብባር" ካብ ኤርትራ ዝተላእከ ምዃኑ ዝገለጾ ኣስታት 56ሽሕ...
Latest releases
ዙር ፈረንሳ 2025: ቢንያም ንምንታይ'ዩ ናይ ዓሚ ዓወቱ ክደገሞ ዘይከኣለ?
ካብ 5 ሓምለ ጀሚሩ ን21 መድረኻት ክካየድ ዝቐነየ ዙር ፈረንሳ 2025፡ ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ኰይኑ ዛዚምዎ። እቲ ትማሊ ኣብ ከተማ ፖሪስ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታን መበል 21 መድረኽን ብዓወት ተጻዋታይ ቪዝማ ሊዝ ቫን ኣርት'ዩ ተዛዚሙ። ቫን ኣርት ኣብ ልዕሊ ታደይ ፖጋቻ መጥቃዕቲ ብምፍጻም'ዩ ብናይ 19 ካልኢት ጸብለልታ ቀዳማይ ኰይኑ ዕዉት ዛዛሚ መድረኽ ዙር ፈረንሳ 2025 ኰይኑ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ፈረንሳ ከኣ፡ ቫን ኣርት እቲ እንኮ ኣብ ልዕሊ...
ዘካርያስ ገብረመድህን፡ "ሓዲሽ ምዕራፍ ኣብ ሰሜን"
ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን ካብ'ቲ ወጣጥን ደፋእን ናብራ ኤርትራ ኣምሊጦም ኣብ ወጻኢ ዝተዓቝቡ ብዙሓት'ዮም። እወ፡ ስደት መናብርቲ ኤርትራውያን ካብ ዝኸውን ነዊሕ ጊዜ ሓሊፉ ኣሎ፣ ካብ ግዜ ሃይለስላሰ ጀሚሩ፡ ብግዝያት ደርግን ሰውራን ቀጺሉ ክሳዕ ሕጂ ዘሎ ተርእዮ'ዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብዝሒ ስደተኛታት ክንኪ ትጽቢት እናተገብረሉ ብምውሳኹ፡ ንብዙሓት ዘዛርብ ዛዕባ ኰይኑ'ዩ ተሪፉ። ተራ ዜጋታት ጥራይ ዘይኰኑ፡ ተጋደልቲ-ነበር ከይተረፉ ዝስደድሉ ዘመን ኣርኪቡ። ...
ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንዘቤታዊ ሃንቀውታ ብሓቂ መሊሱዎዶ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ረቡዕ ምሸት ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ክፋል፡ "ብቐንዱ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዝተኰረ" ዝተባህለ ቃለመሕትቱ፡ ንኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ትንተናኡ ብጉዳይ ሱዳን እዩ ጀሚሩ። ኣብቲ ኤርትራ ኣብ ሜዳ ዲፕሎማሲ ምስ ኣብ ዞባኣ ዘለዋ ሃገራትን ሃገራት ኤውሮጳን ዘለዋ ዝምድና ኣቢሉ'ውን ዝበዝሕ ንወጻኢ ጉዳያት ዘልዓለሉ ካልኣይ ክፋል...
'ክንገብር ክንክእል ኣለና' ዝበዝሖ ዘቤታዊ ቃለመሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ረቡዕ ምሸት ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ክፋል፡ "ብቐንዱ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዝተኰረ" ዝተባህለ ቃለመሕትቱ፡ ንኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ትንተናኡ ብጉዳይ ሱዳን እዩ ጀሚሩ።ኣብቲ ኤርትራ ኣብ ሜዳ ዲፕሎማሲ ምስ ኣብ ዞባኣ ዘለዋ ሃገራትን ሃገራት ኤውሮጳን ዘለዋ ዝምድና ኣቢሉ'ውን ዝበዝሕ ንወጻኢ ጉዳያት ዘልዓለሉ ካልኣይ ክፋል ቃለመሕትት፡ ምስ "መደባት ልምዓት" ኣተሓሒዙ፡ ጉዳይ ህንጸት ኣባይቲ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ትምህርቲ፡ መጓዓዝያን ጽርግያታትን ሃብቲ ዓሳን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ተናኺፉ።

























