ቀይሕ ባሕሪ፡ ሑቲ ንማያት ኤርትራ ቀረባ ዝዀና ሞካን ዙቑርን ተቘጻጺሩ
ሑቲ የመን፡ ንማያዊ ዶባት ኤርትራ ቀረባ ዝዀና ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ስትራተጅያዊ ወደባዊት ከተማ ሞካን ደሴት ዙቑርን፡ ካብቶም ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ መንዚዖም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተዉዋ ወተሃደራውያን ምንጭታትን መሰኻኽር ዓይንን ሓቢሮም። እዚ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ንኸተማ ሞካ...
Latest releases
ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመታት ዕዉት ናይ ግዜ ውድድር ኰይኑ
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኤርትራ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣባል ኣመሪካዊት ጋንታ ሊድስ ትሬክ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር ኣከታቲሉ ንሳልሳይ ዓመቱ ቻምፕዮን ኤርትራ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኰይኑ። ንኣማኑኤል ተኸቲሉ ዓሚ'ውን ካልኣይ ዝወጽአ ኣባል ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ሄኖክ ምሉእብርሃን ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣባል ጋንታ ኢንተርማርች መዋእል ግርማይ ሳልሳይ ኰይኑ ጸወትኡ ዛዚሙ።
'ኢትዮጵያ ኲናት ንምውላዕ ትደሊ ኣላ' ክትብል ኤርትራ ከሲሳ
ኢትዮጵያ "ኲናት ንምውላዕ" መመኽነይታ ትደሊ ኣላ ክትብል ኤርትራ ከሲሳ። ሚኒስትሪ ዜና ሎሚ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝጥቅን ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት የካይድ ኣሎ ኢሉ። "ኢትዮጵያ፡ ኲናት ንምውላዕን ርትዓዊ ንምምሳሉን ሰበብ ሃሰው ትብል" ኣላ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ተጸሚዱ ቀንዩ ኣሎ" ብምባል ይኸስስ። ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትፍናን ብዝምልከት ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት...
ብምኽንያት ዕረፍቲ ሐርበኛ ከሰተ ተስፋማርያም መግለጺ መረር ሐዘን
ብምኽንያት መስዋእቲ ሐርበኛ ከሰተ ተስፋማርያም (ብሽም ውድብ ተ፣ሐ፣ኤ መግለጺ መሪር ሐዘን) ብጻይ ከሰተ ተስፋማርያም ዓሪፍካ ዶ ሐምድ ድበ ዕጫ ብጾትካ በጺሑኳዶ ኣፋኑውኒ ኮይኑ ኣምላኽ ካብ ፈቐዶ፣ ወየ ወይ ሐርበኛ ከሰተ ሐረስታይ ክብለካ ዶ ደላይ ፍትሕ ተቃላሳይ ኣብ ዉዑይን ዙሑልን ዝርከብ ብጻይ፣ ኣንጊሁ...
ህዝቢ መዳውብቲ ዓድታት ኤርትራን ትግራይን ሎሚ ኣብ ዛላምበሳ ተራኺቡ
ብሰንኪ'ቲ ኣብ 2013 [ግ] ዝተወልዐ ኲናት ትግራይን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ኵነታትን ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ከይተራኸበ ዝጸንሐ ህዝቢ መዳውብቲ ዓድታት ኤርትራን ትግራይን፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ከተማ ዛላምበሳ ተራኺቡ ብሓደ ከም ዝወዓለ ሪፖርተር ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ። እዚ ሎሚ ሰንበት፡ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ "ጽምዶ" ብዝብል ብኽልቲ ወገን ብዝርከቡ ግዱሳት ዝተመርሐን ኣብ ዝተፈላለያ መዳውብቲ ዓድታት ዝግበር ዘሎ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምዃኑ ይፍለጥ። ...























