ስነጥበበኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ በሃር በረኸት መንግስትኣብ እንታይ ኢሎም?
በሃር ሃርሃሪ በረኸት መንግስትኣብ ኣብዚ ከየባተኸ ንልዕሊ 65 ዓመታት ኣብ ስነጥበብ ዝተጓዕዞ፡ ልዕሊ 300 ደርፍታት ኣፍርዩ። ሙዚቃዊ ስርሓቱ ዝተፈላለዩ ህርመታት፡ በበይኖም ቅኒታት፡ ዓሚቝን ሰፊሕን ትሕዝቶ ግጥምታት ወዘተ ዝሓዘ እዩ። ስለዝዀነ፡ ኣብ ሰለስተ ወለዶታት ኣሰር ዝገደፈን ኲኖ ኤርትራ ዝሓልፍ ሰማዕቲ ዝረኸበን እዩ። ዜና ዕረፍቱ ምስ ተሰምዐ፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውን፡ ሱዳናውያን. . . ብዝተፈላለየ መንገዲ 'ብሰላም ዕረፍ' ክብሉን ኣድናቖቶም...
Latest releases
ኣመሪካ፡ ብዛዕባ'ቲ ንኤርትራ ዝሓወሰ ሓድሽ እገዳ መገሻ እንታይ ንፈልጥ?
ዶናልድ ትራምፕ ንሓደጋታት ሃገራዊ ድሕነት ብምጥቃስ፡ ካብ 12 ሃገራት ናብ ኣመሪካ ንዝገሹ እገዳ ከም ዘንበረ ዋይት ሃውስ ሓቢሩ። እቲ ፕረዚደንት፡ ሓቀኛ ምምሕያሻት እንተ ተራእዩ፣ ከምኡ'ውን ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ሓደስቲ ጸገማት ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ተወሰኽቲ ሃገራት ክውሰኻን እቲ ዝርዝር ክኽለስን ከም ዝኽእል ገሊጹ።
ሕሜቲ ንኤርትራ ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ እንታይ እዩ?
መራሒ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ሕሜቲ፡ ሰራዊቱ ኣብ ከባቢ ዞባ ኮርዶፋን ዝተወሰነ ከባቢታት ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ብ2 ሰነ ብመገዲ ተሌግራም ሓፈሻዊ መግለጺ ሂቡ።ንሱ ኣብቲ ኣብ ህሉው ኵነታት ኲናት ሱዳን ማእከል ገይሩ ሓያለ ኣርእስታት ዝተናኸፈ መግለጺኡ ኤርትራን መራሒኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጠቒሱ። ሕሜቲ ኣብ መግለጺኡ፡ "ወላሂ ኵሎም እቶም ግብረሽበራውያን ሓይልታት፣ እስላማዊ መንግስቲ - ዳዕሽ - ከይተረፈ ሱዳን እዩ መፈጠሮም፡" ኢሉ ብምጥቃስ፡ "እቲ ዝሕግዞም ሰብኣይ...
እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ዳርባ ቃላት ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን
ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክስታትን ነቐፌታታትን ዝሓዘለ እንካን ሃባን ክስማዕ ጸኒሑ'ሎ።ነቲ ብፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተሰምዐ መግለጺ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ምላሽ ሂባትሉ ነይራ። ዓይሻ መሓመድ ብቐዳም 31 ግንቦት 2025 ምስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ "ሃገር ኢልካ ንኽትጽውዐን ዘጸግማ ሃገራት ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክንድ'ዚ ክዛረባ ምፍታነን ዝተለምደ ባህሪ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡" ክትብል ናብ ኤርትራ ዘነጻጸረ ዝመስል ምላሽ ሂባ።...
























