ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ...
Latest releases
ኤርትራ፡ ኵነታት ትምህርትን ሽመት ሓዳስ ምኒስተርን
ስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ከም ዘድልዮ ኣብ ዝግለጸሉ እዋን፡ ዶ/ር ሓሊማ መሓመድ ምኒስተር ኰይና ከም ዝተመዘዘት ተረጋጊጹ። እዚ ሽመት ዶ/ር ሓሊማ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክስማዕ ድሕሪ ምቕናዩ፡ ብመንገዲ ኣወሃሃዲት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ብዝወጽአ ሓበሬታ እዩ ወግዓዊነቱ ዝግሃድ ዘሎ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ሽመት ምኒስተራት፡ ኮምሽነራት ይዅን ሰብመዚ ብወግዒ ንህዝቢ ምንጋር ካብ ዘቋርጽ ዳርጋ ልዕሊ 25 ዓመታት ከም ዝዀነ ይፍለጥ። ህዝቢ ድማ ምኒስተራቱ ዝተፈላለየ ሓላፍነታት ዝሓዙ ሰበስልጣናቱ ዓቕሞምን ደረጃ ትምህርቶምን ክእለታቶምን ተመኵሮታቶምን ይትረፍ፡ መን ኣበይ ከም ዘሎ ብግቡእ ኣይንገሮን። ...
ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቘጥዐ ትንተና ኣስመራ ዝበጽሐ ወጻእተኛ
ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ወጻእተኛ ተመራማሪን ክኢላን ዓለምለኻዊ ዝምድናታትን ፖለቲካን ናብ ኤርትራ በጺሑ ነይሩ። ካብታ ሃገር ምስ ተመልሰ ዘውጽኦ ንትዕዝብትታቱ ዘጠቓለለ ትንተና ግን ንሰብመዚ ኤርትራ ኣቘጢዑ ኣሎ። ዶ/ር ዊልያም ጎርላይ ኣብ ሓደ ናጻ ማዕከን ዜና ዘስፈሮ ጽሑፍ ብቐንዱ ናብቲ ኣብ "ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንጸላልዩ ዘሎ ደበና ኲናት" ዘተኰረ'ዩ። እንተዀነ...
ኤርትራ፡ 'ኢትዮጵያ ተቕርቦ ዘላ ክሲ ምስግጋር ኣጽዋር፡ መመኽነይታ ንኲናት እዩ'
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ናብቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ብምቕባል ዘቕረቦ ክሲ ሓሶት ምዃኑ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክጅምሮ ዝደሊ ዘሎ ኲናት ንመመሳመሲ ዘቕርቦ ዘሎ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ። እቲ ብ14 ጥሪ ዝወጸ መግለጺ ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ከም ዝመልክቶ፡ "ምስ ውሽጣውያን ጕጅለታትን ታሪኻውያን ጸላእቲ ብምትሕብባር" ካብ ኤርትራ ዝተላእከ ምዃኑ ዝገለጾ ኣስታት 56ሽሕ ጠያይት ከም ዝሓዘ ዝሕብር እዩ ነይሩ። ኣብቲ...
ኢትዮጵያ ንኤርትራን ህወሓትን ጠያይት ናብ ፋኖ ብምስግጋር ከሲሳ - ዝተዋህበ ምላሽ ከ?
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ናብቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ብምቕባል ከሲሱ። እቲ ብ14 ጥሪ ዝወጸ መግለጺ ፈደራል ፖሊስ ከም ዝመልክቶ፡ "ምስ ውሽጣውያን ጕጅለታትን ታሪኻውያን ጸላእቲ ብምትሕብባር" ካብ ኤርትራ ዝተላእከ ምዃኑ ዝገለጾ ኣስታት 56ሽሕ ጠያይት ከም ዝሓዘ ኣፍሊጡ። እዚ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ወጥሪ እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ ዝስማዕ ዘሎ ክሲ ኰይኑ፡ እቲ ኣብዚ ክሲ ተጠቒሱ ዘሎ "ታሪኻዊ ጸላኢ" ግን ብንጹር...























