ወይዘሪት ዓለም 2026፡ ስኒት ኣብተን ሽዱሽተ ቀዳሞት ተሰሪዓ ዘሕብን ታሪኽ ሰሪሓ
ንኤርትራ ወኪላ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድር ወይዘሪት ዓለም (Miss World) ኣብ ከተማ ንሃ ትራንግ፡ ቬትናም ዝተሳተፈት ስኒት ሃብተኣብ ተወልደመድህን፤ ኣብቲ ብ5 መስከረም 2026 ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ መድረኽ፡ ምስተን ቀዳሞት 6 ብሉጻት ተወዳደርቲ ተረቚሓ፡ ብሚልዮናት ብዝቝጸር ህዝባዊ ደገፍን...
Latest releases
ዘይሕጋዊት ጃልባ መሪሑ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ ኤርትራዊ ተኸሲሱ
ሓደ ኤርትራዊ ጃልባ መሪሑ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንመትረብ ዓዲ እንግሊዝ ኣቋሪጹ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምእታዉ ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ። እዚ እድሪስ ዓብዱ ዝተበሃለ ኤርትራዊ ኣብዚ እዋን ኣብ ከተማ ብራድፎርድ ዝነብር ኰይኑ፡ ኣብ ግንቦት 2025'ዩ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዩ። እቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ከኣ "ንሕጊ ኢሚግረሽን ዓዲ እንግሊዝ ጥሒሱ" ዝብል ክሲ'ዩ። እድሪስ ዓብዱ ብዓርቢ'ዩ ኣብቲ ኣብ ብራድፎርድን ኬግሊን ኣብ ዝብሃል ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፤ እንተዀነ ክብደት እቲ ክሲ ኣብ ግምት ኣትዩ፡ጉዳዩ...
'ኤርትራ ዓንዲ ማእከል ጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ'- ግብጻዊ ሚኒስተር
ዓቢ ጕጅለ ልኡኽ መሪሑ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከካይድ ዝቐነየ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዶ/ር በድር ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ስፍሕ ዝበለ ቃለመሕትት ኣካይዱ። በድር ዓብደልዓጢ ከም ዝበሎ፡ ዝምድና ግብጽን ኤርትራን "ዓቢ ዓይነታዊ ገስጋስ" ኣመዝጊቡ ኣሎ። ብቐዳም፡ ክልቲኦም ወገናት ሓባራዊ መስመራት መራኽብ ንምምዕባልን ምትእስሳር ወደባት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያልን፡ ወግዓዊ ስምምዕ ምትሕብባር መጓዓዝያ ባሕሪ ፈሪሞም ነይሮም'ዮም።
ኤርትራ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ማህረምቱ እንታይ ኢሉ?
ኣብ 2018 ድሕሪ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት፡ ናብ ንቡር ኵነታትን ጥዕናኡን ቍመናኡን ከይተመልሰ ዝጸንሐ ምኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ዝነበረ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ድሕሪ 8 ዓመት ንፈለማ ግዜ ኣብ ተሌቪዥን ኤርትራ ቀሪቡ። ጀነራል ስብሓት፡ ኣብቲ ብሰንበት 17 ግንቦት ዝተፈነወ መበል 74 ክፋል ሰነዳዊ ፊልም "ፈንቅል" እዩ መብርሂ ክህብ ተራእዩ። ኣብቲ ነዊሕ ዝኸደ ክፋላት እቲ ሰነድ፡ ብዛዕባ'ቲ ከም ኣካል ስርሒት ፈንቅል ዝውሰድ ኣብ 1990-1991 ዝተኻየደ "ወፍሪ ደንካልያ" ዝምልከት ድማ...
ኤርትራን ግብጺን ዝተፈላለየ ስምምዓት ፈሪመን
ኤርትራን ግብጽን ብቀዳም 16 ግንቦት ኣብ ኣስመራ፡ ሓባራዊ መስመራት መራኽብ ንምምዕባልን ምትእስሳር ወደባት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያልን፡ ወግዓዊ ስምምዕ ምትሕብባር መጓዓዝያ ባሕሪ ከም ዝፈረማ ማዕከናት ዜና ክልቲአን ሃገራት ገሊጸን። እቲ ምፍርራም፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተረኽበሉ መቐበል ኣጋይሽ ደንደን እዩ ተኻይዱ። እቲ ስምምዕ ብምኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ኤርትራ ብርሃነ ተስፋስላሰን ምኒስተር ትራንስፖርት ግብጺ ሌተናል ጀነራል ካሚል ኣልወዚርን ዝተኸተመ እዩ። ...


























