'ቀይሕ ባሕሪ ንኹለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ' - ፕረዚደንት ኢሳይያስ
ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኾነ ማያዊ ክፍሊ ዓለም ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ስለዝኾነ ጸጥታዊ ውሕስነቱ ክረጋገጽ ከምዘለዎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ። ምስ ኤሪ-ቲቪ ኣብ ዘካየዶ ንዝተፈላለየ ጉዳያት ዝተንከፈ ቃለመሕትት፡ ስትራተጂያዊ ንግዳዊ መስመር'ኳ እንተኾነ ቅድም ቀዳድም ሃገራት እቲ ዞባ ገማግም ባሕረን ከውሕሳ ኣለወን ኢሉ። እቲ ምስ መራሒ ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ ንምዝርራብ ኣብ ካይሮ ዝቐነየ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ወሽመጥ...
Latest releases
ንዝኽሪ ታሪኻዊት መዓልቲ ባሕቲ መስከረም ኣብ መበል 64 ዓመታ
ብጅግና ስዉእ ሐምድ እድሪስ ዓዋተን ብጾቱን ብታሪኻዊት መስከረም ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ወትሩ እንዳ ተዘከረት ትበር። ንታሪኻዊት ሐደ መስከረም ኣብ መበለ 64 ዓመታ ብሽም ጀጋኑ ሰማእታት ብልሳን ውጹዓት መጸዋዕታ ከምቲ ጅግንነት ጎቦ ኣዳል ንመግዛእቲ ህግደፍ እንቢ ባርነት ህግደፍ ብሐርነት ክዛዘም ቅሳነት ክረክብ...
'ጌጋ ቀይሕ ባሕሪ ጽባሕ ክእረም እዩ' - ኣቢይ ኣሕመድ
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪን ምቍጽጻር ወደብ ዓሰብ ናይ ኤርትራን ኣመልኪቶም ዝተፈላለየ መግለጺታት ክህቡ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሰሙን እውን ቀጺሎሞ ኣለዉ። ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ንጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ፡ ከምኡ ድማ ሜጀር...
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክብረወሰን እንግሊዝ ብዝሰበረ ዋጋ ናብ ሊቨርፑል ተጸንቢሩ
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብ125 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ሊቨርፑል ክጽንበር ምስ ኒውካስል ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ንቢቢሲ ቅርበት ዘለዎም ምንጪታት ሓቢሮም።እዚ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣጥቅዓይ ኣብታ ክለብ ዘጽንሖ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ውዕል ቅድሚ ምፍራሙ፡ ሎሚ ሰኑይ ሕክምናዊ መርመራ ከካይድ እዩ።ኣሌክሳንደር ኣብ ታሪኽ ፕረምየርሊግ እንግሊዝ ዝኸበረ ተጻዋታይ ኰይኑ ኣሎ። ዛጊት ኣብ ክራማት 2023 ካብ ብራይተን ናብ ቸልሲ ብ115 ሚልዮን ፓውንድ ዝተሰጋገረ ሞይስ ካይሰዶ እዩ ዝኸበረ ተጻዋታይ ኰይኑ ጸኒሑ። ሊቨርፑል ነዚ ኣጥቃዓይ...
ብላቴን-ጌታ ሎረንዞ ታእዛዝ: ኣብ ኢትዮጵያ ሓያል ተራ ዝነበሮም ኤርትራዊ
ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዙሓት ኣቦታት ብሕጽረት ሰነዳት መንነቶም ብደቂቕ ደኣ ኣይፈለጥ'ምበር ብዕላል ወትሩ ዝዝከሩ ሰባት ኣለዉ። ሓደ ካብኦም ብላቴን-ጌታ ሎረንዞ ታእዛዝ እዮም። ኣብ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ታሪኽ ሎረንዞ ታእዛዝ ብሓደ ጕዳይ'ዮም ዝዝከሩ። እቲ ጕዳይ ከኣ ብ1936 ንጉስ ሃይለስላሰ ከም ዕቝባኛ ኰይኖም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተዓቚቦምሉ ዝነበርሉ እዋን እቲ ኣብ ጀነቫ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዕዎ ሓያል መደረ ብሎረንዞ ታእዛዝ ከም ዝተጻሕፈ'ዩ ዝዝንቶ። እዚ ግዜ ጣልያን...


























