ኤርትራ፡ ኣብ መኣዲ ኢትዮጵያ ከምዘይትዕደም ገሊጻ
ኤርትራ፡ ነቲ ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊታ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክትስሕብን ንልዝብ ድልውቲ ክትከውንን ዘቐረበ ጻውዒት፡ "ብቃናኡን ትሕዝቶኡን ዘስደምም" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሕጂ'ውን ኣብቲ መኣዲ ከምዘይትዕደም ገሊጻ። እቲ ሰኑይ 9 ለካቲት ብመንገዲ ምኒስትሪ ዜና ዝወጸ ምላሽ፡ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ጥሕሰት ልኡላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያን ምድጋፍ ዕጡቓት ሓይልታትን ዝኸስስ መግለጺ፡ "ናይ ሓሶት ጠቐነ፡" ኢሉ ብምግላጽ "ንጥጁእ ዕላማ ዝተፈብረኸ፣ ብቃናኡን ትሕዝቶኡን...
Latest releases
ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዓዋቲ ብጫን ቀጠልያን ማልያ ዙር ማግኒፍሰንት ኵንሃይ ኰይኑ
ኤርትራዊ ኣባል ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022፡ 2023 ከምኡ'ውን 2024 ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዓዋቲ ብጫን ቀጠልያን ማልያ ኣብ ቻይና ዝካየድ ዙር ማግኒፍሰንት ኵንሃይ ኰይኑ ውድድሩ ከም ዝዛመ ኣብ ሳይክሊን ስታት ዝወጽአ ጸብጻብ ገሊጹ። ኣብዚ ሸሞንተ መድረኻት ዝነበሮ ሓያል ጸወታ፡ ተቐዳደምቲ ብድምር 1323.7 ኪሎሜተር'ዮም ዘዊሮም። ሄኖም ምሉእብርሃን ከኣ ንውድድሩ ብ30 ሰዓት 5 ደቂቕን 13 ካልኢትን ብምዝዛም'ዩ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እቲ...
ኤርትራ እታ እንኮ ኣብ ደረጃታት ፊፋ ዘይተሰርዐት ሃገር ኰይና
ዓመታዊ ኣብ ዝወጽእ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ዘመልክት ዝርዝር፡ ሎሚ ዓመት ን210 ሃገራት ኣብ ዝሰርዓሉ፡ ኤርትራ ጥራይ፡ "ኣብ ዝሓለፈ 48 ኣዋርሕ ብውሕዱ ሓደ ወግዓዊ ውድድር ስለ ዘየካየደት ደረጃ ኣይተዋህባን፡" ብዝብል ካብቲ ዝርዝር ከም ዝወጸት መርበብ ሓበሬታ ፊፋ ኣመልኪቱ። ፊፋ ከም ዝዘርግሖ፡ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ኤርትራ ኣብ 2007 መበል 121 ዝተመዝገበ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝተሓተ ደረጃ መበል 207 ድማ ኣብ 2019 ዝተመዝገበ እዩ። ...
ኣብ መጋባእያ ሕቡራት ሃገራት ዝስማዕ ዘሎ ምክሳስ ኤርትራን ኢትዮጵያን
ኤርትራ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተጋብአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረበቶ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣን ኣብቲ ዞባን ካብ ዝገጠማ ቅልውላው ንምህዳም፡ ንኤርትራ እናወቐሰት "ገንሸል" ትገብር ኣላ ክትብል ከሲሳ። ንኤርትራ ኣብ ሕቡራት ዝውክል ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይ፡ ኣብቲ ብሓሙስ 3 ሓምለ ኣብ ጀነቫ ንኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ እዩ፡ ብዛዕባ "ሓድሽ ርእይቶ፡" ኢትዮጵያ ምላሽ ሂቡ። ኣቶ ሃብቶም፡ እቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ፡ 'ኤርትራ ንጸጥታኣ፡ ልኡላውነታ፡ ሰብኣዊ...
ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዘሻቐለ ተቓውሞ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎምን ተኣሲሮምን
ሎሚመዓልቲ ኣብ ሰልፍታት ተቓውሞ ኬንያ፡ ፖሊስ ብዝተኰሶ ጥይት ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱን ከም ዝተጐድኡን ተገሊፁ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ 17 ግዝኣታት እታ ሃገር፡ ናይ 10 ሰባት ሞት፣ 29 ሙጉዳእቲ፣ ክልተ መጭወይቲን 37 ማእሰርቲን ከም ዝሰነደ ኣፍሊጡ ኣሎ። ዓበይቲ ፅርግያታትን መእታዊ ነቑጣታትን ብፖሊስ ከም ዝተዓፀዉ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽን፡ እዚ ክርደና ብፍላይ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ንምንቅስቓስ ሰባት ከም ዝዘረጎ ገሊፁ። ኣብ ኪያምቡ፣ ሜሩ፣ ኪሲ፣ ኒየሪ፣ ናኩሩን ኢምቡን እውን ዕፅዋ ከም ዝነበረ እቲ ኮምሽን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ። ...

























