በዳሂ ጕዕዞ-ህይወት ኤርትራዊ ፕሮፈሰር ዓብዱልቃድር ሳልሕ መሓመድ
ምንጪ ስእሊ,DM 10 ጉንቦት 2026, 09:16 EAT ንባብ: 5 ደቓይቕ ብ1992፡ ኤርትራዊ ስነ-ማሕበረሰበኛ ፕሮፈሰር ዓብዱልቃድር ሳልሕ መሓመድ፡ ኤርትራ ናጻ ኰይና ኢሉ ካብ ዓዲ ስደት ኣብ ሃገሩ ንኽምህር ጠቕሊሉ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ። ኵነታት ሓዲስ ህይወቱ ኣብ ኤርትራ ብጽቡቕ'ኳ እንተ ጀመሮ፡ ደሓር ግን ናብራ ኣይግድን ኰኖ። ብድሕሪ ብዙሕ...
Latest releases
ኣስመራ፡ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ከም ዘይተመልሱ ምንጭታት ኣረጋጊጾም
ኣብ ቅድመ-መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንኢስዋቲኒ ብድምር 4 ብ1 ካብ ዝሰዓረት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ካብቶም 10 ካብ ውሽጢ ሃገር ዝተመርጹ 7 ተጻወትቲ ናብ ዓዶም ከም ዘይተመልሱ ቢቢሲ ካብ ኣስመራ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። እታ ድሕሪ 18 ዓመታት ናብ ውድድራት ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝተመልሰት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ 14 ኣብ ወጻኢ ሃገራት፡ 10 ድማ ኣብ ውሽጢ...
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ብቐጻሊ ዝጠቕሳ 'ቍሸት ፖተምኪን' እንታይ'ያ?
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እናዓረገ ክመጽእ ዝጸንሐ ወጥሪ ኣብቲ ዞባ ደበና ካልእ ደማዊ ኲናት ከም ዘንጸላሉ ገይሩ ኣሎ። ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ካብ ውሃ ዘበለ ፍሕፉሕ ፍቕሪ ናብ ምትፍናን ብምስጋር፡ ብግጥሚ፡ ዜማ፡ ውስጠዘን ምስላታትን ዝተሰነየ ዳርባ ቃላት ክለዋወጣ ጸኒሐን። ናብ ብሂልን ጽዋን ዝኸደ'ውን ኣይስኣንን። ...
ኲናት ኢራን፡ ዋጋ ቢራን ዕሹግ ማይን ክኸብር ከም ዝገብር ትፈልጡ ዶ?
ኣብ ዕዳጋ ኣብ ዝቐርብ ዕሹግ ማይ ጽግዕተኛ ምዃን ኣዝዩ ብዙሕ ወጻኢታት እዩ ዝሓትት። እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ገጠር ንዝርከቡ ሰባት ዝኸበደ ይኸዉን። ግን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ህንዲ ብፍላይ ኣብ ሓጋይ ብሰንኪ ሕጽረት ማይ፡ ብከላ ማይ ትሕተ-ምድሪን ክፍተት ትሕተ-ቅርጽን ዝኣመሰሉ ምኽንያታት ተበጻሕነት ጽሩይ ዝስተ ማይ ብድሆ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ብመሰረት መጽናዕቲ ዳታ ፎር ህንዲ፡ ኣስታት 15% ካብ ነበርቲ ከተማን 6% ካብ ነበርቲ ገጠርን፡ ንመስተ ዝውዕል ማይ ካብ ዕዳጋ ወይ ዝተዓሸገ ፕላስቲክ እዮም...
ኢማራት ኣብ ኲናት ምጽማዳን ሑቲ ናብቲ ኲናት ምጽንባሩን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ይጸልዎ?
ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መበል 35 መዓልቲ በጺሑ ኣሎ። ዓለም ብሕጽረት ነዳዲ ትፍተን ኣላ። ክሳዕ ሕጂ ኣስቂጦም ዝጸንሑ ዕጡቓት ሑቲ፡ ናብ እስራኤል ሚሳይላት ብምትኳስ ናብቲ ውግእ ተጸንቢሮም ኣለዉ። ዛጊት ክልተ ሚሳይላት ጥራሕ እኳ እንተ ተተኰሱ፡ ባብ ኤል-መንደብ ከም መጻብቦ ሆርሙዝ ክዕጾ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣልዒሎም ይርከቡ። ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ምስታፎም፡ ኪንዮ የመን ዝዝርጋሕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ሰፊሕ ጽልዋ ኣለዎ። ...


























