ስነጥበበኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ በሃር በረኸት መንግስትኣብ እንታይ ኢሎም?
በሃር ሃርሃሪ በረኸት መንግስትኣብ ኣብዚ ከየባተኸ ንልዕሊ 65 ዓመታት ኣብ ስነጥበብ ዝተጓዕዞ፡ ልዕሊ 300 ደርፍታት ኣፍርዩ። ሙዚቃዊ ስርሓቱ ዝተፈላለዩ ህርመታት፡ በበይኖም ቅኒታት፡ ዓሚቝን ሰፊሕን ትሕዝቶ ግጥምታት ወዘተ ዝሓዘ እዩ። ስለዝዀነ፡ ኣብ ሰለስተ ወለዶታት ኣሰር ዝገደፈን ኲኖ ኤርትራ ዝሓልፍ ሰማዕቲ ዝረኸበን እዩ። ዜና ዕረፍቱ ምስ ተሰምዐ፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውን፡ ሱዳናውያን. . . ብዝተፈላለየ መንገዲ 'ብሰላም ዕረፍ' ክብሉን ኣድናቖቶም...
Latest releases
ብሪጣንያ፡ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ተኣሲሮም
ፖሊስ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ኣብ መላእ ምምሕዳር ዌስት ሚድላንድስ ድሕሪ ዘካየዶ ወፍሪ ኢሚግሬሽን ልዕሊ 20 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ብዘይሕጋዊ መገዲ ይሰርሑ ነይሮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣበጻጻሕቲ ንብረት [ደሊቨሪ]፡ ኣብ በርሚንግሃም፡ ኮቨንትሪን ሄረፎርድን ብዝርከቡ ፖሊስ ከም ዝተኣስሩ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ገሊጹ።ፖሊስ ዝዘርግሖም ምስልታት፡ ኣብ መደበር ባቡር ኒው ስትሪት ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ኤሌክትሪክ ብሽክለታታት ተጠቒሞም ተባሂሎም ደው ኣብ ዝበሉሉ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትው የርእዩ። እዚ፡ ኣብ...
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ቃለመሕትቱ ዘልዓሎም 5 ቀንዲ ጉዳያት
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳም 19 ሓምለ ምስ ኤሪ-ቲቪ ዝተፈላለየ ጉዳያት ዝዳህሰሰ ቃለመሕትት ኣካይዱ። ኣብቲ ንኽልተ ሰዓት ዝቐጸለ መደብ፡ ኢሳይያስ ንዓለማዊ ፖለቲካዊ ኵነታት፣ ነቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተፈተነ ምምሕያሽ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን፣ ኣብዚ ሓድሽ ምልሶት ትራምፕ ዝብገስ ዘሎ ሓድሽ "ጽምዶ" ምስ ዋሽንግተን፣ ጸገማት ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ጉዳይ ኢትዮጵያን ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ተተሓሒዙ ዝለዓል ዘሎ መግለጺታት፣ ጉዳይ ጐረባብቲ ሃገራትን ምስኦም ዝዛመዱ ዛዕባታትን ኣልዒሉ። እዚ ኰይኑ ግን፡...
ዙር ፈረንሳ ክሳብ ክንደይ'ዩ ሓደገኛ?
ምንጪ ስእሊ,Getty Images መግለጺ ስእሊ,ኣብ ገለ ገለ እዋን ተዓዘብቲ ንጽርግያ ከጻብብዎ ይርኣዩ'ዮም፡ እዚ ከኣ ንተቐዳደምቲ ናብ ሓደጋ የቃልዖም 19 ሓምለ 2025 ኣብ ዙር ፈረንሳ ንምዕዋት፡ ህሉው ብቕዓት፡ ሓይሊ፡ ወይ ድልድልቲ ጋንታ ምሓዝ ጥራይ በይኑ ኣኻሊ ኣይኰነን። ነቲ ዝተሰርዐ ልዕሊ 3,000 ኪሎሜተር ብዘይ ሓደጋ...
ሃይለ መንቀርዮስ፡ ብዛዕባ ሓድሽ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ዘካየዶ ፍሉይ ቃለመሕትት
ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ ብደረጃ ምክትል ዋና ጸሓፊ ሓላፊ ፓለቲካዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ዝነበረን ንዝተፈላለየ ግጭታት ዓለም ንምፍታሕ ኣብ ዝተኻየደ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶታት ናይቲ ውድብ ዝመርሐን'ዩ።እቲ ገዲም ዲፕሎማሰኛ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን ኣብ እዋን ዶባዊ ኲናት ክልቲአን ሃገራት ቀዋሚ ወኪል ሃገሩ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ክሳብ 2001 ሰሪሑ። ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ሃይለ፡ ሓደ ካብቶም ቅዋም ክትግበርን ተሓታትነት ክረጋገጽን ኣለዎ...
























