ናብ ምሕጫጭን ምሳሌታትን ዝሰገረ ዳርባ ቃላት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን
ኣብ መንጐ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናብ ወተሃደራዊ ግጭት ከይዓርግ ኣብቲ ዞባ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ። ጠንቂ ምትፍናን ክልቲአን ሃገራት ንምግላጽ ሓያሎ ረቛሒታት ክጥቀስ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ብቐንዱ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምርካብን ምውናንን 'ልኡላዊ' መሰል ከምዘለዋ...
Latest releases
ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ዝበልዎ ሓድሽ መግለጺ
ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ "ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን እያ፤ 2 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ [ኤርትራ] ነታ ብዝሒ ህዝባ ናብ 200 ሚልዮን ገጹ ዝኸይድ ዘሎ ሃገር ባሕሪ ክትከልኣ መጐታዊ ኣይኰነን" ክብል ብ25 ጥቅምቲ ተዛሪቡ። ብርሃኑ ጁላ ነዚ ዝበለ፡ ዝሓለፈ ቀዳም 25 ጥቅምቲ፡ መበል 118 መዓልቲ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ዝተባዕለሉ ኣጋጣሚ እዩ። እቲ ኣዛዚ፡ "ኢትዮጵያ ሰለስተ ነገራት እያ ትደሊ ዘላ፣ ሰላም፡ ምዕባለን ኣፍደገ...
ኣብይ ኣሕመድ፡ 'ሓይሊ ባሕሪ ዘቘምና ኣብ ብርጭቆ ንኽንሕምብስ ድዩ ደኣ ነይሩ?!'
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ብዙሓት ሕቶታት ዝተልዓለሉ፡ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፡ ንሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ'ውን ደጊሙ ኣልዒሉ። "ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ሕጋዊ፡ ታሪኻዊ፡ መልክዓ ምድራዊን ቍጠባውን ሕቶ እዩ ኢልና ኢና ንኣምን" ዝበለ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንኽትስእን 30 ዓመት ዝወሰደ ቃልሲ ብምዝኽኻር፡ 'ነቲ ዝሰዕኣነቶ ደጊማ ንኽትረክብ ግን ካልእ 30 ዓመት ኣየድልያን' ኢሉ። ስኽን ኢልካ ብዝረግአን ሰላማዊ መንገድን ምኻድ ኣድላዪ እዩ...
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኢትዮጵያ ዘልዓለቶ መሰል ዋንነትን ተጠቃምነትን ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ። ብላዕለዎት መራሕቲን መንግስታዊ ይዅን ንሰልፊ ብልጽግና ጸግዒ ዝሓዛ ማዕከናት ዜናን ዝወሃብ ዘሎ መግለጺታት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሓያል ቍጥዐ ፈጢሩ እዩ።,ብወገን ኤርትራ ክወሃብ ዝጸንሐ ወግዓዊ ግብረመልስታት፡ መግለጺታት ኢትዮጵያ፡ ታሪኽ ኣዘንቢዑ ንልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ዝዳፈር ተዅታዂ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ላዕለዎት መራሕቲ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ ካብዚ ዝሓለፈ...
ኤርትራ፡ ሓደጋ መኪና ዘስዐቦ ሓያሎ ሞትን መጕዳእትን
ኣብ ዞባ ጋሽባርካ መስመር ባረንቱ-ኣንቶረ ብዓርቢ 24 ጥቅምቲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምግምጣል ዓባይ መኪና ጽዕነት፡ 8 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 13 ከምዝተጐድኡን ኣብ ንብረት ድማ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደን ጸብጻባት ይሕብሩ። እታ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ካብ ባረንቱ ተበጊሳ ናብ ኣንቶረ ትጓዓዝ ዝነበረት ዓባይ መኪና፡ ነዊሕ ከይከደት፡ ካብ ባረንቱ ኣስታት 12...

























