ኣሌክሳንደር፡ እቲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ብቕዓቱ ዘንጸባርቕ ዘሎ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ኮኾብ
እቲ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ኵዕሶ እግሪን ኣሰልጠንትን ክለባትን ደሚቝ ዝርአ ኣብ ዓበይቲ መድረኻትን ዓወታትን ባንዴራ መበቈል ሃገሩ ኤርትራ እናንበልበለ ዝልለ፡ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ኣጥቃዓይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ኣብቲ ሃገራዊት ጋንታኡ ሽወደን ንቱኒዝያ 5 ብ 1 ብዝዀነ ዓብላሊ ውጽኢት ኣብ ዝሰዓረትሉ ናይ...
Latest releases
ኤርትራ፡ ፕሮጀክት ምምካት ደርቂ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ 'ዘመዝገቦ ዓወት'
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤርትራ ደርቂ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ንምዕባይን ዕድላት ስራሕ ንምፍጣርን ዝዓለመ ፕሮጀክት (DRSLP V) ብዝተዓጻጸፈ መንገዲ ይሰላሰል ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።እዚ ፕሮጀክት'ዚ፡ ኣካል ናይቲ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ "ንዓመታት ዘካየዶ" ስትራተጅያዊ ስራሓት ሕርሻን ትሕተ-ቅርጽን ኰይኑ፡ ነቲ ተደጋጋሚ ዝኽሰት ዘሎ ጽልዋ ለውጢ ኵነታት-ኣየር ንምምካት ዝዓለመ ምዃኑ ወሲኹ ይሕብር። ብመሰረት እቲ ብ17 ምያዝያ 2026 ዝወጽአ እዋናዊ ጸብጻብ፡ እቲ ፕሮጀክት ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ንልዕሊ 24...
ኤርትራ፡ መንገዲ ኣየር ኢትሓድ ካብን ናብን ኣስመራ ሓድሽ መስመር በረራ ከፊቱ
መንገዲ ኣየር ኢትሓድ፡ መስመራት ኣቭየሽን ኣፍሪቃ ዳግማይ ንምሕዳስን ንምስፋሕን ኣብ ዝሓንጸጾ ስትራተጅያዊ ውጥን፡ ንኣስመራ፡ ካብ 7 ሕዳር 2026 ጀሚሩ ቀጥታዊ በረራታት ከም ዝጅምር ብወግዒ ኣፍሊጡ። እዚ ውሳነ ናይቲ ግዙፍ መንገዲ ኣየር ንኤርትራ፡ እታ ሃገር ብሰንኪ ድሩት ኣህጉራዊ በረራታት ትጻገም ኣብ ዘላትሉ ወሳኒ እዋን ይመጽእ ብምህላዉ መስተርሆት ዝህብ...
ኤርትራ፡ ንሓራምዝ ዘስግእ ዘሎ ሓድሽ ናይ ዘርኢ ጸገም
ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ሓራምዝ ዝተገብረ ዓቢ ናይ ዘርኢ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ንበይኖም ተነጺሎም ዝርከቡ ሒደት ሓራምዝ፡ ብሰንኪ ምስ ከምኦም ዘርኢ ጥራሕ ምውሳቦም ንጥዕናኦም ዝሃሲ ናይ ዘርኢ ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ። እዚ ኣብ ጆርናል 'ኔቸር ኮሚንዩከሽን' ዝተሓትመ ጸብጻብ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ 17 ሃገራት ዝርከቡ 232 ሓራምዝ ብምምርማር፡...
ምላሽ ኤርትራ ንመግለጺታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢን ጀነራል ጻድቃንን
መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝደጋግምዎ ዘለዉ ምጉት ኣፍደገ-ባሕሪ ዘይሕጋዊን ቶኽታዂን እዩ ክትብል ኤርትራ ተቓውሞኣ ገሊጻ። ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ሎሚ ብኤክስ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ንመራሒ ናይቲ "ፖተምኪን" ክብል ዝገለጾ ሰልፊ ብልጽግና፡ ካብ ውሽጣዊ ጸገማቱ ንምህዳም ዘልዕሎ ዘሎ'ዩ ክብል ምላሽ ሂቡሉ። "መራሒ ናይቲ ሰልፊ፡ ከምኡ'ውን ከም ብዓል...
























