ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ካብ ዘልዓሎም ነጥቢታት
ኣብይ ኣሕመድ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ተሸይሙ ኣሎ። በዚ ድማ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝለዓለ መሪሕነት እታ ሃገር ብሓፈሻ ድማ ን13 ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዘኽእሎ ስጕምቲ እዩ። ኣብ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ሰልፊ ብልጽግና ዝመርሕ ኣብይ ኣሕመድ፡...
Latest releases
ሸፋቱ ባሕሪ፡ ባንዴራ ኤርትራ ዘንበልበለት መርከብ ነዳዲ ጨውዮም
ኣብ ገምገም ባሕሪ የመን ዝተፈጸመ እዚ መጥቃዕቲ፡ ካብ ምያዝያ ጀሚሩ ኣብቲ ዞባ ሻድሻይ ናይ መራኽብ ጭወያ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ሶማላውያን ሸፋቱ ባሕሪ ወይ ቀርሰንቲ ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ የመን ሓንቲ ፍርያት ነዳዲ እትጽዕን መርከብ ከም ዝጨወዩ ትካል ንግዳዊ ስርሒታት ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያን ሮይተርስን ጸብጺቦም። እዚ ፍጻመ ኣብ ወሽመጥ ዓደንን ምዕራባዊ ህንዳዊ ውቅያኖስን ዳግማይ ተላዒሉ ዘሎ ስግዓት ሸፋቱ ባሕሪ መርኣያ ምዃኑ ተገሊጹ። ...
ዳን ኮነል፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዓለም ዘፋለጠ ጸሓፊ
ዳን ኮነል ህርኩት ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ፡ ደራሲ፡ ተመራማሪ ጥራይ ዘይኰነስ ብመሰላት ደቂ-ሰባት ዝግደስ መምህርን ጸላውን ተቓላሳይ'ዩ። ንሱ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ጸሓፍቲ ታሪኽ ዘመናዊት ኤርትራ ኰይኑ ኣብ ዓለም ብዛዕባ ኤርትራ ፍጹም ተገዳስነት ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ብመትከል ንገድሊ ኤርትራ ደጊፉ ዓገብ ዝበለ ጸሓፊ'ዩ። ኣበየ ጋዜጣታት ዓለም ብቋንቋ እንግሊዘኛ ዝተጻሕፉ ዛንታታት፡ ንህላወ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቃልሑ (ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ማለት'ዩ) ካብ ውሽጢ ኤርትራ ኰይኑ ኵነታት ውሽጢ ንዓለም ዘፍለጠ ንጡፍ...
ኖርወይ ንሽዱሽተ ኤርትራውያን ዜግነት ብምሕዳግ ካብ ሃገራ ክስጐጉ ወሲና
ክፍሊ ኢመግረሽን ኖርወይ (UDI)፡ ንሽዱሽተ ኤርትራውያን ዝነበሮም ናይ ኖርወይ ዜግነት ብምሕዳግ ካብታ ሃገር ክስጐጉ ከም ዝወሰነ ንቢቢሲ ብጽሑፍ ኣረጋጊጹ። እዚ ስጕምቲ እዚ ዝውሰድ ዘሎ፡ እዞም ሰባት ኣብ ግዜ ሕቶ ዕቝባኦም ዝሃብዎ ቃልን ድሒሮም ዘርኣይዎ ተግባርን ተገራጭዩ ብምርካቡ ምዃኑ ተገሊጹ። እዞም ኤርትራውያን ናብ ኖርወይ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ በደልን ግፍዕን ከም ዝበጸሖም ብምግላጽ ዕቝባ ዝረኸቡ እዮም። ...
መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ኣመሳርታ ቤት ትምህርት ሰውራ
ብምኽንያ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ቤት ትምህርት ሰውራ ኣጋጣሚ፥ ቀንዲ ዕላማ ናይ ዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ትቅርብ ዘላ፥ ነቶም ተማሃሮ ነባር መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ቤት ትምህርት ሰውራ ዘጸንብሉ ዘለወ ፡ ነቲ ብህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ቃልሲ ኮነ ድሕሪ ናጽነት ዝትረኽ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣመሳርታ ቤት ትምህርት ሰውራ ከመይ...


























