ኤርትራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ክቕጽልን ተሓታትነት ክሰፍንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጸዊዐን
ኣብ መበል 62 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ስልጣኑ ክሕደስን ጉዳይ ተሓታትነት ክቕጽልንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጻውዒት ኣቕሪበን። እዚ ብ31 ዘይመንግስታውያን ኣህጉራውያን ማሕበራት ብ12 ግንቦት 2026 ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ናብቶም ኣብ ጀነቫ ዝርከቡ ቀወምቲ ወከልቲ...
Latest releases
ብሑቲ ተሃሪመን ዝጠሓላ መራኽብ ኣብ ማያት ኤርትራ ፈጢረንኦ ዘለዋ ስግኣት
ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ ብየመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ዝተሃረመት ንግዳዊት መርከብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒላ ምንባራ ይዝከር። እታ ኢተርኒቲ ሲ ዝተብሃለት ባንዴራ ላይበርያ ዝሰቐለትን ብግሪኻዊ ትካል እትመሓደርን መርከብ ጽዕነት ናብ ከርሲ ባሕሪ እያ ተሸሚማ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ሓንቲ ከሚካል ዝጸዓነት መርከብ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብሚሳይላት ሑቲ ተሃሪማ ኣብ ኣፍደገ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ ጥሒላ ነይራ'ያ። እዘን መራኽብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ከኣ ኣብ ገማግም ኤርትራ ከቢድ ብከላ ከየስዕባ ዓቢ ስግኣት ከምዘሎ...
ተጋዳላይ ዶክተር መሓመድ ቁስመላህ (ረቢ ይርሓመልካ)
ብምኽንያት መውጋእተይንማእከላይሆስፒታልተሓኤምስበጻሕኩዶክተር መሓመድነቲካብሆስፒታልነጻከተማመንደፈራዝተላእከጸብጻብኣንቢቡ ሹመይ ምስ ረኣየ“ኣንታወዲዓርከይከይትኸውንዓብደልሓፊዝዝበሃልዓርኪነይሩኒ ?!. . . ዶክተርመሓመድቅድሚ`ቲዝገብረልካ ሕክምናምስቲ...
ንኤርትራ ክጸሉ ዝኽእል ሓድሽ መደብ ቪዛ ኣመሪካ እንታይ እዩ?
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ነቲ በጻሕቲ ልዕሊ ዝተወሰነሎም ግዜ ኣብታ ሃገር ዝጸንሕሉ ኵነታት ንምቅላስ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ሓድሽ ፈተነኣዊ መደብ መስርሕ ቪዛ ከተኣታቱ ምዃኑ ተፈሊጡ። እዚ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዝጅምር ፈተነኣዊ መደብ፡ ንዝተወሰኑ ቪዛታት በጻሕትን ንግድን ክሳብ 15,000 ዶላር ቦንድ ክሓትት ከም ዝኽእል ሰኑይ 4 ነሓሰ ንዝወጽአ መንግስታዊ መግለጺ ጠቒሱ ሮይተርስ ሓቢሩ። እዚ መደብ፡ ኣብተን ዜጋታተን ልዕሊ ዝተፈቕደሎም ግዜ ኣንዊሖም ብምጽናሕ ብፍሉይ ዝተመዝገባ ሃገራት ከተግብራ -...
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘየቋረጸ መጥቃዕቲን ስግኣትን
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰሜን ጎንደር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተደጋጋሚ ቅትለት፡ ጭውያን ዘረፋን ከም ዝካየድ ብዙሓት መሰኻኽር ዓይኒን ስደተኛታትን 'ደም ኤርትራውያን ስደተኛታት ይዛሪ ኣሎ' ብምባል ብተደጋጋሚ ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም። ሕጅ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣደ ሸሞንተ ቈልዑ ጉዒዳ ተኽለ መሓሪ በቲ "ኣብ መንጎ ዕጡቓት" ምንባሩ ዝገለጸቶ ምልውዋጥ ተዅሲ ኣብ ኣፍደገ'ቲ መዓሰከር ተሃሪማ ሃለዋታ ስሒታ። ጉዒዳ እቲ ወርሓዊ ዝወሃባ መሻርፍ ስርናይ ድንጕዩ ብምምጽኡ ኣብ ቤታ ዝብላዕ...


























