ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ክኣትዉ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ሓቢሮም
ኣብ እዋን ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ዳግማይ ውግእ፡ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ብምእታው ክግስግሱ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ከተማ ዓዲ-ግራት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝበልዎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝለብሶ "ቆጽለዋይ ሬንጀርን ሓመዳዊ ሬንጀርን" ዝተኸደኑ ወተሃደራት ኣብ ዓበይቲ መካይን ተጻዒኖም ንውሽጢ ክሓልፉ...
Latest releases
ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ብርቱዕ ውሕጅ ዘስዓቦ ዕልቕልቕን ዛሕልን ክህሉ ትጽቢት ከም ዝግበር ተገሊጹ
ኣብ መላእ ክፋላት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብርቱዕ ዝናብ ክዘንብ ትጽቢት ከም ዝግበርን ገለ ቦታታት ድማ ልዑል ሓደጋ ውሕጅ ከም ዘጋጥሞምን ማእከል ትንበያን ኣተገባብራን ክሊማ ኢጋድ ሰሙናዊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። እቲ ዝለዓለ ዝናብ ልዕሊ 200 ሚ.ሜ ዝበጽሕ ኰይኑ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ማእከላይን ሰሜንን ኢትዮጵያ፡ ገለ ክፋል ምዕራብ ኤርትራ፡ ማእከላይ ደቡብ ሱዳን፡ ምዕራብ ኬንያን ዞባ ዳርፉር ሱዳንን ክዘንብ ይግመት። ኡጋንዳ፡ ሩዋንዳ፡ ብሩንዲን ደቡባዊ ታንዛንያን ሓዊሱ ካልኦት ብዙሓት ቦታታት ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ዝናብ ክዘንብ እዩ።
'ሞት ወደይ ብማሕበራዊ ሚድያ እየ ተረዲአ' - ወዳ ተጨውዩ ዝተቐትላ ኣደ
ኣብ መወዳእታ ሓምለ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ እንዳባጉና ዘሰንበደ ሓደ ዘሕዝን ክስተት ተፈጺሙ ነይሩ። ወዲ 7 ዓመት ቈልዓ ጨውዮም ንወላዲቱ ገንዘብ ሓቲቶም፣ እቲ ገንዘብ ምስ ተቐበሉ ድማ ንውሉዳ ቀቲሎም ኣብ ቢንቶ ደርብዮሞ ከይዶም። ጓል 32 ዓመት ዮርዳኖስ ጋይም ኣደ ክልተ ቈልዑ እያ። በዅራ ጓል 17 ዓመት ክትከውን እንከላ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ኢድ ጨካናት ጨወይቲ ኣትዩ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ብኣስካሕካሒ ኵነታት ተቐቲሉ ኣስከሬኑ ብሓለውቲ ከብቲ'ዩ ተረኺቡ።
ትግራይ፡ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ምፍታሕ ዕጥቂ ዝምልከት ሓደስቲ ምዕባለታት እንታይ እዩ?
ካብ ቀንዲ ኣዕኑድ ውዕል ፕሪቶርያ ሓደ ምፍታሕ ዕጠቂ ዀይኑ፡ እቶም ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ዕጡቓትን ሓይልታት ደገን ካብ ክልል ትግራይ እንትወፅኡ፡ 'ማዕረ ማዕረኡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ክፈትሑ ኣለዎም' ዝብል እዩ። ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ዝተዋግኡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን፡ ካብ ዝበዝሑ ቦታታት ትግራይ ስሒቦም ምውፀኦም ፀብፃባት ይሕብሩ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብቲ ክልል ንዝሓለፉ ልዕሊ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኣንጻራዊ ሰላም ነጊሱ...
ኤርትራውያን ንምንታይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ኒውካስል ክጸንሕ ይደልዩ?
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ናብ ኒውካስል ዩናትይድ ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ኣብ ዓወት እታ ክለብ ወሳኒ ቦታ'ኳ እንተ ሓዘ፡ ኣብታ ከተማ እናሰሰነ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ግን ጽልዋኡ ክንዮው ኩዕሶ ዝኸደ እዩ። ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ወዲ ዓዶም ኣብ ዓቢይ ዓለማዊ መድረኽ ኩዕሶ እግሪ ተዓዊቱ ክርእዩ እንከለዉ እምበረ-መጠን ዘነቓቕሕ እዩ። ኣብ ነፍስወከፍ ናይ ገዛውቲ ፓርክታትን መሰልጠኒ ማእከላትን ሓደ ፍሉይ ተርእዮ ይኽሰት ኣሎ። ኤርትራውያን መንእሰያት ብዓወት ኣጥቃዓይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ...


























